8 ሔት። ኢየሩሳሌም ብርቱዕ ሓጢኣት ገይራ እያ፤ ስለዙይውን ረኸሰት፤ እቶም ዘኽብርዋ ዝነበሩ ዅሎም ዕርቃና ሪኦም ነዓቕዋ፤ ንሳውን እህህ እናበለት ገፃ ንድሕሪት መለሰት።
ሽዑ ኣዒንቶም ተኸፈታ፤ ጥራሖም ምዃኖም ድማ ፈለጡ። ቈፅሊ በለስ ሰፍዮም ከዓ ኣገልደሙ።
ንስኻትኩምን ደቅኹምን ካባይ ከዲዕኹም ንድሕሪት እንተ ተመለስኩም፥ ነቲ ዝሃብኩኹም ትእዛዛተይን ሕግጋተይን ከዓ እንተ ዘይሓሊኹም፥ ኬድኩም ንኻልኦት ኣማልኽቲ እንተ ኣገልገልኩምን እንተ ሰገድኩምሎምን ግና፥
ሽዑ ኣነ ንህዝቢ እስራኤል ካብዛ ዝሃብክዎም ምድሪ ኸጥፍኦም እየ፤ ነዛ ንስመይ ዝቐደስክዋ ቤተ መቕደስ ከዓ ኻብ ቅድሚ ገፀይ ክድርብያ እየ፤ እስራኤልውን ኣብ ኵሎም ህዝብታት መመሰልን መተረትን ክትከውን እያ።
እቶም ህዝቢ ኸዓ ‘ነቲ ነቦታቶም ካብ ምድሪ ግብፂ ዘውፅኦም እግዚኣብሄር ኣምላኾም ስለ ዝሓደግዎን፥ ንኻልኦት ኣማልኽቲ ስለ ዝተቐበሉን ስለ ዝሰገዱሎምን ዘገልገልዎምን፥ እግዚኣብሄር እዝ ዅሉ ኽፉእ ኣምፅአሎም’ ኢሎም ክምልሱ እዮም።”
ዕርቃንኪ ይቀላዕ፤ ሕፍረትኪ ኸዓ ይረአ፤ ኣነ ኽብቀል እየ፤ ንዝኾነውን ኣይርህርህን።”
ብልብኺ ድማ “ስለ ምንታይ እዙይ ወረደኒ?” እንተ በልኪ፥ ብሰንኪ ብዝሒ ሓጢኣትኪ እዩ፥ ዘፈር ክዳንኪ ዝተቐልዐ ዳንጋኺውን ዝተገፈፈ።
ስለዙይ ሓፍረትኪ ምእንቲ ኽረአ፥ ዘፈር ክዳንኪ ኽሳዕ ገፅኪ ኽቐልዖ እየ።
ብሰንኪ እቲ ዅሉ ምናሴ፥ ወዲ ሕዝቅያስ ንጉስ ይሁዳ፥ ኣብ ኢየሩሳሌም ዝገበሮ፥ ኣብ ማእኸል ኵሎም መንግስታት ምድሪ፥ ንመከራ ኣሕሊፈ ኽህቦም እየ።”
ኣብቲ ኣነ ዝሰጐጕክዎም ኵሉ ስፍራታት ከዓ ንፀርፍን ንመመሰልን ንመላገፅን ንመርገምን ክኾኑ፥ ኣብ ቅድሚ ኵሉ መንግስታት ምድሪ እውን፥ ንመከራን ንስቓይን ኣሕሊፈ ኽህቦም እየ።
ንሳቶም ድማ ኣትዮም ሓዝዋ፤ ግና ቓልካ ኣይሰምዑን ብሕግኻውን ኣይተመላለሱን። ነቲ ዅሉ ኽገብርዎ ዝኣዘዝካዮም ኣይገበርዎን፤ ስለዙይ ከዓ እዝ ዅሉ መዓት እዙይ ኣውረድካሎም።
ስለዙይ ሕዚ እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ነፍሲ ወከፍ ንሓዉን ነፍሲ ወከፍ ንብፃዩን ሓርነት ንምእዋጅ ኣይሰማዕኹምንን። ኣነ ኸዓ እንሆ ንውግእን ፌራን ጥሜትን ‘ሓርነት’ እእውጀልኩም ኣለኹ። ንዅሎም መንግስታት ምድሪ መሰክሒ ኽትኮኑ ድማ ኣሕሊፈ ኽህበኩም እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር።
ከም እትሓርስ፥ በዅሪ ወዳውን ከም እትወልድ ሰበይቲ፥ ዝበለ ድምፂ ሰማዕኹ፤ ድምፂ ጓል ፅዮን ብድኻም ይልሕትት፤ ኣእዳዋውን ትዝርግሕ እሞ፥ ተቐቲሎም ካብ ዝሞቱ ዝተልዓለ፥ ነፍሰይ ላሕሊሓ ኣላሞ፥ ወይለይ በለት።
ኵላቶም የመና ዓመፀኛታት እዮም፤ ከም ነሃስን ሓፂንን ዝተረሩ ጠለምትን ከዳዓትን እዮም። ኵላቶም ሓሜት እናዘርኡ ይኸዱ፤ ነሃስን ሓፂንን እዮም፤ ብልሽዋት እዮም።
ካፍ። ኵሉ ህዝባ ዝበልዖ እንጀራ ደልዩ የእዊ ኣሎ፤ ብህይወት ምእንቲ ኽነብሩ፥ ንዅሉ ኽቡር ጥሪቶም፥ ብምግቢ ይልውጥዎ ኣለዉ፤ ኦ እግዚኣብሄር፥ ተዋሪደ እየሞ ረአ፤ ተመልከትውን።
ፌ። ፅዮን ኣእዳዋ ዘርግሐት፤ ዘፀናንዓ ግና የለን፤ “እግዚኣብሄር ንያእቆብ ብዅሉ ወገን ዝኸቡዎ ፀላእቲ ኣዘዘሉ፤ ኢየሩሳሌም ኣብ ማእኸሎም ከም ርኽስቲ ዀነት።”
ዮድ። እቶም ናይ ጓል ፅዮን ኣረጋውያን፥ ፀጥ ኢሎም ኣብ ምድሪ ተቐሚጦም ኣለዉ፤ ኣብ ኣራእሶም ሓመድ ነስነሱ፤ ወጮውን ተኸደኑ፤ ጐርዞታት ኢየሩሳሌም ርእሰን ናብ ምድሪ ኣድነና።
ሳን። ኣቲ ኣብ ሃገር ዖፅ እትነብሪ ጓል ኤዶምያስ፥ ተሓጐሲ፤ ደስ ይበልኪ፤ ግናኸ እቲ ፅዋዕ ናባኺውን ክሓልፍ እዩ፤ ክትሰክርን ጥራሕኺ ኽትኾንን ኢኺ።
ብፅልኢ ኽካየዱኺ፥ ኵሉ ፃማ ድኻምኪ ኽወስዱልኪ፥ ዕርቕትን ንበይንኽን ገይሮም ክሓድጉኺ እዮም፤ ናይ ምንዝርናኺ ዕርቃን ርኽሰትክን ምንዝርናኽን ክግለፅ እዩ።
ስለዙይ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ጉባኤ ህዝቢ ኸውፅአለን እየ እሞ፥ ንምምራኽን ንዘመተን ኣሕሊፈ ኽህበን እየ።
እቶም ኣህዛብ ከዓ፥ ቤት እስራኤል ብሰንኪ ሓጢኣቶም ከም እተማረኹ ኽፈልጡ እዮም፤ ንኣይ ስለ ዝበደሉ፥ ገፀይ ከወልኩሎም፤ ኣብ ኢድ ፀላእቶምውን ወፈኽዎም፤ ኵላቶም ድማ ብሰይፊ ወደቑ።
ሕዚ ኸዓ ኣብ ቅድሚ ፈተውታ፥ ሓፍረታ ኽቐልዓ እየ፤ ካብ ኢደይ ከድሕና ዝኽእል ድማ፥ ሓደ እኳ የለን።
እንተ ዘይኮነ ቀሚሻ ቀንጢጠ ኸምታ ዝተወለደትላ መዓልቲ ጥራሓ ኽገብራ እየ፤ ከም ምድረ በዳን፥ ከም ንቑፅ ምድርን ክገብራ፥ ብፅምኢ ማይ ድማ ኽቐትላ እየ።
ምእንቲ ኽትህብትም፥ ብሓዊ ዝፀረየ ወርቂ ኻባይ ክትዕድግ፥ ሕፍረት ዕርቃንካ ምእንቲ ኸይቕላዕን፥ ፃዕዳ ኽዳውንቲ ኽትክደንን፥ ምእንቲ ኽትርኢ፥ ነዒንትኻ ኽትኰሓለሉውን፥ ኵሕሊ ኻባይ ክትዕድግ፥ እመኽረካ ኣለኹ።
ስለዙይ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ከምዙይ ይብል፦ ‘ኣነስ ንቤትካን ንቤት ኣቦኻን ንዘለኣለም ከገልግሉኒ እዮም ኢለ ነይረ’ ደጊም ግና ‘ኣይኸውንን፤ ኣነስ ነቶም ዘኽብሩኒ ኣኽብሮም፤ እቶም ዝንዕቑኒ ኸዓ ኽናዓቑ እዮም፤ እዙይስ ካባይ ይርሓቕ’ ይብል እግዚኣብሄር።