Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ሰቆቃወ 1:7 - መፅሓፍ ቅዱስ

7 ዛይ። ኢየሩሳሌም ብመዓልቲታት መከራኣን ምንክርታታን፥ ካብ ጥንቲ ጀሚሩ ዝነበራ ዅሉ ኽቡር ነገራትን፥ ትዝክሮ ኣላ። ህዝብታታ ኣብ ኢድ ፀላኢ ምስ ወደቑ፥ ዝረድኣ ኣይረኸበትን፤ ፀላእታ ረአይዋ፤ ብምፍርራሳውን ሰሓቑ።

Ver Capítulo Copiar




ሰቆቃወ 1:7
23 Referencias Cruzadas  

“ኣየ! ናብራይ ከምቲ እግዚኣብሄር ዝሕልወኒ ዝነበረ፥ ቀዳሞት ኣዋርሕ እንተ ዝኸውን መን መሃበኒ!


እዙይ እንትሓስብ ነፍሰይ ኣብ ውሽጠይ ፈሰሰት፤ ናብ ቤት እግዚኣብሄር ናብ መንበሪ ምስጋና ኽኣቱ እየሞ፤ እቶም በዓል ዝገብሩ ሰባት ቃል ሓጐስን ምስጋናን ኣስምዑ።


ንእግዚኣብሄር ዘከርክዎ፤ ደስውን በለኒ፤ ተናገርኩ፤ ነፍሰይ ድማ ፈዘዘት።


ንጐረባብትና ነውሪ፥ ነቶም ኣብ ዙርያና ዘለዉ ኸዓ፥ መስሓቒኦምን መላገፂኦምን ኮንና።


ኵለን ቅዱሳት ከተማታትካ፥ ምድረ በዳ ኾና፤ ፅዮን ባደመት፤ ኢየሩሳሌምውን ዓነወት።


እታ ኣቦታትና ንኣኻ ዘመስግኑላ ዝነበሩ፥ ቅድስትን ክብርትን ቤትና፥ ብሓዊ ነደደት፤ ኵሉ እቲ ኽቡር ጥሪትናውን በረሰ።


“ክትጥይቑኒ ናባይ ንዝለኣኸኩም ንጉስ ይሁዳ ኸምዙይ በልዎ። እንሆ ኽሕግዘኩም ዝወፀ ሰራዊት ፈርዖን ናብ ሃገሩ ግብፂ ኽምለስ እዩ።


ሞኣብ ኣብ ልዕሊ እስራኤልዶ ተባጩ ኣይነበርካን? ብዛዕባኡ ኽትዛረብ እንተለኻ ርእስኻ እትንቕንቕስ፥ ኣብ ማእኸል ሰረቕቲዶ ተረኺቡ እዩ?


ፌ። ነቲ ኸቶ ዘይመፅእ ሓገዝ ክንጥምት፥ ኣዒንትና ጠፊአን፤ ብምፅባይና ኻብቲ ኸድሕን ዘይኽእል ህዝቢ፥ ሓገዝ ተፀበና።


ንደቂ ኣሞን ከዓ ቓል እግዚኣብሄር ኣምላኽ ስምዑ፤ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኸምዙይ ይብል ኣሎ ኢልካ ንገሮም፤ መቕደሰይ ስለ ዝረኸሰት፥ ሃገር እስራኤል ስለ ዝባደመት፥ ቤት ይሁዳ ስለ እተማረኹ፥ እሰይ ኢልካ ኢኻ እሞ፥


“እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ በእዳውካ ስለ ዘጣቓዕኻ፥ በእጋርካ ዀደብደብ ስለ ዝበልካ፥ ብዅሉ ነፍስኻ ንዒቕካያ፥ ብምድሪ እስራኤል ስለ እተሓጐስካ፥


ደድሕሪ ፈተውታ ኽትጐዪ እያ፥ ግና ኣይተርክቦምን፤ ክትደልዮም እያ፥ ግና ኣይትረኽቦምን። ሽዑ ንሳ “ካብ ሎሚ ቕድም ይሕሸኒ ነይሩ እዩሞ፥ ክኸይድ ናብቲ ቐዳማይ ሰብኣየይ ክምለስ እየ” ኽትብል እያ።


ሕዚ ግና ብዙሓት ኣህዛብ፥ ኣብ ልዕሌኺ ተኣኪቦም፥ “ትርከስ፤ ኣዒንትናውን ንፅዮን ይጠምታ” ይብሉ።


ሽዑ ናብ ልቡ ተመሊሱ ‘እንጀራ ዝተርፎም ኣገልገልቲ ኣቦይ ክንደይ እዮም፤ ኣነ ግና ኣብዙይ ብጥሜት እመውት ኣለኹ።’


ኣብርሃም ድማ “ወደይ፥ ንስኻስ ብህይወትካ እንተለኻ፥ ኣብ ምቾት ከም ዝነበርካ፥ ኣልኣዛር ግና ኣብ ስቓይ ከም ዝነበረ ዘክር። ሕዚ ንሱ ኣብዙይ ይሕጐስ ኣሎ፤ ንስኻ ግና ትሳቐ ኣለኻ።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos