21 ሳን። “ሰባት ናይ ስቓይ ቍዘማይ እናሰምዑ፤ ዘፀናንዐኒ ሓደ እኳ የለን፤ ኵሎም ፀላእተይ፥ ጭንቀተይ ሰምዑ፤ ንስኻ ስለ ዝገበርካዮ ግና ተሓጐሱ፤ ኦ ጐይታ! እታ ስሌኣቶም ዝተናገርካያ መዓልቲ፥ ክተምፅኣ ኢኻ፤ ንሳቶምውን ከምዝ ኸማይ ክኾኑ እዮም።”
ኣብ ልዕለይ ተኣከቡ፤ ደስ ድማ በሎም፤ ግፍዐኛታት ኣብ ልዕለይ ተኣከቡ፤ ኣነ ግና ኣይፈለጥኩን፤ ሰላልዑኒ፤ ኣይሓደጉንንውን።
እግዚኣብሄር ግና፥ ይስሕቖ፤ መዓልቱ ኸም ዝበፅሕ ይፈልጥ እዩሞ።
ፀላእተይ ብኣይ ደስ ከይብሎም ኢለ ኣለኹሞ፥ እግረይ ሰንከልከል እንተበለውን ርእሶም ኣብ ልዕለይ ልዕል ልዕል ከብሉ እዮም።
እግዚኣብሄር ንዘንጊ ኽፍኣትን፥ ንበትሪ ገዛእትን ሰበሮ።
ነቲ ንህዝብታት ብቝጥዓ እንተየቋረፀ ዝወቕዖም፥ ነቲ ብቝጥዓን ዓጋቲ ብዘይብሉ ምስጓጕን፥ ንኣህዛብ ዝገዝአ በትሪ ሰበሮ።
ሕዚ ግና እቶም ፈፂሞም ዝውሕጡኻ፥ ክወሓጡ እዮም፤ ኵሎም ፀላእትኻ ንምርኮ ኽወሃቡ እዮም። ኵሎም ዝዓመፁኻ ኽዕመፁ እዮም፤ ኵሎም ዝዘመቱኻ ኸዓ ኽዝመቱ እዮም፤
ሞኣብ ኣብ ልዕሊ እስራኤልዶ ተባጩ ኣይነበርካን? ብዛዕባኡ ኽትዛረብ እንተለኻ ርእስኻ እትንቕንቕስ፥ ኣብ ማእኸል ሰረቕቲዶ ተረኺቡ እዩ?
“ኣቱም ንርስተይ እትዘምቱ፥ ንስኻትኩም ከምተን ዓውዲ ዘኺዳ ኣርሕታት ስለ እተሰራሰርኩም፥ ከም ብርቱዓት ኣፍራስ እናሓምሐምኩም ስለ ዝተሓጐስኩምን ዝተፈሳሕኩምን፥
ኣብ ዙርያኣ ዄንኩም ‘ኢዳ ሃበት፤ ዕርዳ ወደቐ፤ ቅፅራ ፈረሰ፤ እዙይ ሕነ እግዚኣብሄር እዩ እሞ፥ ሕነኣ ፍደይዋ፥ ኢዳ ሂባ፥ ግምብታት ወዲቖም፥ ቅፅርታት ፈሪሶም’ ኢልኩም ድምፂ ኣስምዑ።
“ንወርወርቲ ቐስቲ፥ ንዅላቶም ቀስቲ ዝግትሩ፥ ንባቢሎን ክወግእዋ ኣኽትትዎም። ሓደ እኳ ኸየምልጥ ኣብ ከባቢኣ ስፈሩ፤ ከም ግብራውን ፍደይዋ። ንእግዚኣብሄር፥ ናይ እስራኤል ቅዱስ፥ ተዓብያ እያ እሞ፥ ከምቲ ዅሉ ዝገበረቶ ፍደይዋ። ከምቲ ኣብ ልዕሊ ኻልኦት ዝገበረቶውን ፍደይዋ።
“ኣቲ ትዕቢተኛ ባቢሎን፥ እታ ንኣኺ ዝቐፅዐላ ጊዜ መፂኣ እያ እሞ፥ እንሆ ኣብ ልዕሌኺ ተሲአ እየ፤ ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር።
እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ኣብ ፅዮን ኣብ ቅድሚ ዓይንኹም ብዝፈፀምዎ ኽፍኣት፥ ኣነ ንባቢሎንን ኣብኣ ንዝነብሩ ከለዳውያንን ክፈድዮም እየ።
ባቢሎን ካብ እስራኤል ተወጊኦም ዝሞቱ ኽወድቁ ከም ዝገበረት፥ ከምኡውን ቅቱላት ኵላ ምድሪ ኣብ ባቢሎን ከውድቑ እዮም።”
“ዘፀናንዐኒ ንነፍሰይውን ዘህድኣ ኻባይ ርሒቑ እዩሞ፥ ስለዙይ ኣነ እበኪ ኣለኹ፤ ኣዒንተይ ድማ ንብዓት የፍስሳ፤ ፀላኢ ስለ ዝበርትዐ ድማ ደቀይ ጠፊኦም እዮም።”
ቤት። ብለይቲ ኣምሪራ ትበኪ፤ ንብዓታ ኣብ ምዕጕርታ ኣሎ። ካብቶም ናይ ቀደም ፈተውታ ዝነበሩ፥ ሓደ እኳ ዘፀናንዓ የለን። ኵሎም ፈተውታ ጠለምዋ፤ ኵሎም ከዓ ፀላእታ ኾኑ።
ታው። “ብኽያተይ በዚሑ፥ ልበይውን ይጠልመኒ ኣሎ እሞ፥ ኵሉ ኽፍኣቶም ኣብ ቅድሜኻ ይብፃሕ፤ ከምቲ ብሰንኪ ሓጢኣተይ ዝገበርካዮ፥ ከምኡ ድማ ንኣኣቶም ግበሮም።”
ዳሌጥ። በዓላታ ኸኽብር ዝመፅእ ሓደ እኳ የለንሞ፥ መንገድታት ፅዮን ይበኽዩ ኣለዉ፤ ብበሪታታ ዝኣቱን ዝወፅእን የለን፤ ካህናታ ድማ ይቝዝሙ ኣለዉ። ደናግላ ይጕህያ ኣለዋ፤ ፅዮን መሪርዋ ትሳቐ ኣላ።
ሔት። ኢየሩሳሌም ብርቱዕ ሓጢኣት ገይራ እያ፤ ስለዙይውን ረኸሰት፤ እቶም ዘኽብርዋ ዝነበሩ ዅሎም ዕርቃና ሪኦም ነዓቕዋ፤ ንሳውን እህህ እናበለት ገፃ ንድሕሪት መለሰት።
ሳምኬት። ኵሎም ሓለፍቲ መንገዲ፥ ንጓል ኢየሩሳሌም እናፋፀዩ፥ “እዚኣ ድያ እታ ፍፁም ዝመልክዓ፥ ሓጐስ ኵላ ምድሪ እትብሃል ከተማ?” እናበሉ በእዳዎም የጣቕዑልኪ፤ ርእሶም እናነቕነቑ ኸዓ የባጭዉልኪ ኣለዉ።
ዔ። ኵሎም ፀላእትኺ ሓቢሮም ብሓይሊ ኣፎም ከፈቱ፤ እናፋፀዩ፥ ኣስናኖም እናሓርቀሙ፥ “ውሒጥናያ፤ እታ ብሓቂ ዝተፀበናያ መዓልቲ እዚኣ እያ፤ ረኺብናያ፤ ርኢናያውን ይብሉ።”
“ኣታ ወዲ ሰብ፥ ጢሮስ ብዛዕባ ኢየሩሳሌም ‘እሰይ፥ እሰይ፥ እታ ደገ ህዝብታት ፈሪሳ፤ ናባይ ተመሊሳ፤ ንሳ ባዲማ እያ፤ ኣነ ኽመልእ እየ’ ኢላ ኣላ እሞ፥
መዓልቲ እግዚኣብሄር፥ ኣብ ለሰ ፍርዲ ቀሪባ እያሞ፥ ናይ የመና ብዙሕ ህዝቢ ወኻዕታ፥ ኣብ ለሰ ፍርዲ ኣሎ።
ከምቲ ንሳ ዝፈደየትኩም ፍደዩዋ፤ ከምቲ ግብራውን ዕፅፊ መልሱላ። በቲ ዝቐድሐትሉ ፅዋዕ፥ ዕፅፊ ጌርኩም ቅድሑላ።