12 ላሜድ። “ኵልኹም ኣቱም ሓለፍቲ መንገዲ፥ እዙይ ኣባኻትኩም ዝኾነ የለንዶ? እግዚኣብሄር ብመዓልቲ ጕሁር ቍጥዓኡ፥ ነኣይ ኸም ዝቐፅዐኒ፥ ከምቲ ኣነ ዝተቐበልክዎ ስቓይ ዝተቐበለ እንተሎ ኸዓ፥ ንዑ ረአዩ፤ ተመልከቱውን።”
መቕሰፍትኻ ኣብ ልዕለይ ሓለፈ፤ ግርማኻውን ኣደንገፀኒ፤
ንሰማያት ከንቀጥቅጦም እየ፤ ምድሪ ኸዓ ብመዓልቲ ርሱን ቍጥዓ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ካብ ስፍራኣ ኽትናወፅ እያ።
“ስለ ስብራተይ ወይለይ፤ ቍስለይ ዝኸፍአ እዩ፤ ኣነ ግና እዙይ ናይ መከራ ቝስለይ እዩ እሞ፥ ክፅመሞ እየ በልኩ።
ንምድሮም ንመደነቕን፥ ንዘለኣለም መሳለቕን ገበርዋ፤ ኵሉ ብኣኣ ዝሓልፍ ይግረም፤ ብምግራምውን ርእሱ ይንቕንቕ።
እንሆ ናይ እግዚኣብሄር ህቦብላ ይለዓል፤ ዝገለባበጥ ኣውሎ ንፋስ፥ ኣብ ልዕሊ ናላ ኽፉኣት ክወርድ እዩ።
ፅኑዕ ቍጥዓ እግዚኣብሄር፥ ሓሳብ ልቡ እንተይፈፀመ፥ ስቕ ኢሉ ኣይምለስን፤ በተን ዳሕረዎት ዘመናት፥ ነዙይ ክተስተውዕልዎ ኢኹም።
እታ መዓልቲ፥ ዓባይ እያሞ ዝመዓራረያ የለን፤ ንያእቆብ፥ ጊዜ ጭንቂ እያ፤ ግና ኻብኣ ኽድሕን እዩ።”
እምበኣር እቲ ዝነድድ ቍጥዓ እግዚኣብሄር፥ ካባና ኣይተመለሰን እዩ እሞ፥ ከሊ ተኸደኑ፤ ኣልቅሱ፤ ዋይ ዋይ ድማ በሉ።
ሞኣብ ኣብ ልዕሊ እስራኤልዶ ተባጩ ኣይነበርካን? ብዛዕባኡ ኽትዛረብ እንተለኻ ርእስኻ እትንቕንቕስ፥ ኣብ ማእኸል ሰረቕቲዶ ተረኺቡ እዩ?
ፃዴ። “ኣነ ኣብ ልዕሊ ቓል ኣፉ፥ ስለ ዝዓመፅኩ እዩ እምበር፥ እግዚኣብሄር ፃድቕ እዩ። ኣቱም ህዝብታት ኵልኻትኩም ስምዑ፤ ስቓየይውን ረአዩ፤ ኣጕባዘይን ጐርዞታተይን ተማሪኾም ከዱ።”
ኣሌፍ። እግዚኣብሄር ብቝጥዓኡ ንጓል ፅዮን ከመይ ብደመና ኣጐልበባ። ነቲ ኽብሪ እስራኤል ካብ ሰማይ ናብ ምድሪ ደርበዮ፤ ብመዓልቲ ቝጥዓኡ ነታ መርገፂ እግሩ ዝኾነት ኣይዘከራን።
ሜም። ኦ ጓል ኢየሩሳሌም፥ ብዛዕባኺ እንታይ ክምስክር እየ? ብመንከ ኽምስለኪ እየ? ኣቲ ድንግል ጓል ፅዮን፥ ኣነ ኸፀናንዐኪ ብምንታይ ከመዓራርየኪ እኽእል? ስብራትኪ ኸም ባሕሪ ዓሚቝ እዩ፤ መንከ ኸሕውየኪ ይኽእል?
ነቲ ኣብ ልዕሌናን ኣብ ልዕሊ መራሕትናን ከም እትገብሮ ዝተነግረ፥ ኣባና ኣውረድካዮ፤ ኣብ ኢየሩሳሌም ዝወረደስ፥ ኣብ ትሕቲ ዅሉ ሰማይ ከምኡ ዝበለ ፈፂሙ ኣይተገብረን።
መዓልቲ ፀልማትን ጣቓን፥ መዓልቲ ደመናን ግብ ዝበለ ፀልማትን፥ ዓቢይን ሓያልን ህዝቢ፥ ከም ብርሃን ወጋሕታ ኣብ ልዕሊ እምባታት ተዘርጊሑ ኣሎ፤ ካብ ጥንቲ ጀሚሩ ኸምኣቶም ዝበለ ኣይነበረን፤ ድሕሪኣቶምውን ክሳዕ ብዙሕ ውሉድ ወለዶ፥ ከምኣቶም ዝበለ ኸቶ ኣይኸውንን።
ሽዑ ኻብ መጀመርታ ዓለም ሒዙ ኽሳዕ ሎሚ ዘይኮነ፥ ድሕሪ ሕዚ እውን ከቶ ዘይኸውን፥ ብርቱዕ መከራ ክኸውን እዩ።