Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ሰቆቃወ 1:10 - መፅሓፍ ቅዱስ

10 ዮድ። ፀላኢ ኣብ ልዕሊ ዅሉ ሃብታ ኢዱ ዘርግሐ፤ ኣብ ማሕበርካ ኸይኣትዉ ዝኸልከልካዮም ኣህዛብ፥ ኣብ ቤተ መቕደስ ክኣትዉ እንተለዉ ረአየቶም።

Ver Capítulo Copiar




ሰቆቃወ 1:10
22 Referencias Cruzadas  

ንሱ ኸዓ ንዅሉ ኣቑሑ ቤት እግዚኣብሄር ዓቢይን ንእሽተይን፥ ንመዛግብቲ ቤት እግዚኣብሄርን መዛግብቲ ንጉስን ንሹመኛታቱን ናብ ባቢሎን ወሰዶ።


በታ መዓልቲ እቲኣ ንመፅሓፍ ሙሴ፥ ኣብ እዝኒ እቲ ህዝቢ ኣንበቡ። ኣብኡ ኸዓ ኣሞናውያንን፥ ሞኣባውያንን፥ ንዘለኣለም ናብ ህዝቢ እግዚኣብሄር ኣይእተዉ ዝብል ተፅሒፉ ነበረ።


እቲ ቕዱስ ህዝብኻ፥ ነታ ምድሪ ንሓፃር ዘመን ጥራሕ ተረስተያ፤ ሕዚ ግና ፀላእትና፥ ንቤተ መቕደስካ ረገፅዋ።


ብሰንኪ እቲ ብዅሉ ወሰናትካ መሊኡ ዘሎ ሓጢኣትካ ሃብትኻን መዛግብትኻን ብኸምኡ ንዘመተ ኽህቦ እየ።


ኵሉ ጥሪት እዛ ኸተማ እዚኣን ኵሉ ፃማኣን ኵሉ ኽቡር ኣቑሑታን ኵሉ እቲ መዛግብ ነገስታት ይሁዳን ኣብ ኢድ ፀላእቶም ከም ዝወድቕ ክገብሮ እየ። ንሳቶም ከዓ ኽዘምትዎ፥ ማሪኾም ድማ ናብ ባቢሎን ክወስድዎ እዮም።


ናቡከደነፆር ንጉስ ባቢሎን ንኢኮንያን፥ ወዲ ኢዮኣቄም ንጉስ ይሁዳን፥ ንዅሎም ኣሕሉቕ ይሁዳን ኢየሩሳሌምን፥ ካብ ኢየሩሳሌም ናብ ባቢሎን ማሪኹ ኽወስዶም እንተሎ፥ ኣዕማድን ብነሃስ ዝተሰርሐ መዕቘሪ ማይን ወናብርን ዝተፈላለየ ኣቑሑ ቤተ መቅደስን ሓዲጉ ነበረ።


“እምበኣርከስ ብዛዕባ እቲ ኣብ ቤተ መቅደስን፥ ኣብ ቤት ንጉስ ይሁዳን ኣብ ኢየሩሳሌምን ተሪፉ ዘሎ ኣቑሑ፥ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ከምዙይ ይብል ኣሎ፦


ናይ እግዚኣብሄር ኣምላኽናን፥ ንናይ ቤተ መቕደስን ሕነ፥ ኣብ ፅዮን ክነግሩ ሃዲሞም ካብ ሃገር ባቢሎን ዘምለጡ፥ ድምፂ ሰባት ተሰሚዑ እዩ።


ፀርፊ ሰማዕና እሞ ሓፈርና፤ ጓኖት ናብቲ ቅዱስ ስፍራ ቤተ መቕደስ እግዚኣብሄር ኣትዮም እዮም እሞ፥ ውርደት ንገፅና ጐልበቦ።


ንቤተ መቕደስን ቤተ መንግስትን ንዅለን ኣባይቲ ኢየሩሳሌምን ንዅለን ዓበይቲ ህንፃታት ብሓዊ ኣባርዐን።


ዛይ። ኢየሩሳሌም ብመዓልቲታት መከራኣን ምንክርታታን፥ ካብ ጥንቲ ጀሚሩ ዝነበራ ዅሉ ኽቡር ነገራትን፥ ትዝክሮ ኣላ። ህዝብታታ ኣብ ኢድ ፀላኢ ምስ ወደቑ፥ ዝረድኣ ኣይረኸበትን፤ ፀላእታ ረአይዋ፤ ብምፍርራሳውን ሰሓቑ።


እንጀራን ስብሕን ደምን ክተቕርቡ እንተለኹም፥ ንቤተይ ከርክስዋስ ነቶም ልቦም ዘይተገርዘ፥ ስጋኦምውን ዘይተገርዘ ጓኖት፥ ናብ መቕደሰይ ኣእቲኹምዎም ኢኹም እሞ፥ ንሳቶም ኣብ ልዕሊ ዅሉ ርኽሰትኩም ኪዳነይ ኣፍረሱ።


ካብኣቶም ገፀይ ክምልስ እየ፤ ንሳቶም ከዓ ንምስጢረይ ከርክስዎ፥ ገፋዕቲ ኣትዮም ድማ ኸርክስዋ እዮም።


ንሱ ድማ፥ “ነታ ቤት ኣርክስዋ! ነቲ ኣደባባያት ከዓ ብምዉታት ምልእዎ! ውፁ” በሎም፤ ንሳቶም ከዓ ወፁ፤ ኣብታ ኸተማውን ይቐትሉ ነበሩ።


እቲ ብነቢይ ዳንኤል ዝተብሃለ “ናይ ጥፍኣት ርኽሰት” ኣብ ዘይግብኦ ስፍራ ቖይሙ ምስ ረአኹም፥ እቲ ዘንብብ የስተውዕል፤ ሽዑ እቶም ኣብ ይሁዳ ዘለዉ፥ ናብ እምባታት ይህደሙ፤


“ኣሞናዊ ወይ ሞኣባዊ ናብ ጉባኤ ቤት እግዚኣብሄር ኣይእቶ። ክሳዕ ዓስራይ ትውልዲ ንዘለኣለምውን እንተ ኾነ ናብ ጉባኤ ቤት እግዚኣብሄር ኣይእቶ።


እዙይ ከዓ ኻብ ግብፂ ምስ ወፃእኹም፥ ኣብ መንገዲ እንጀራን ማይን ሒዞም ስለ ዘይተቐበሉኹም፥ ንበለዓም ወዲ ቢዖር ድማ፥ ምእንቲ ኽረግመኩም፥ ካብ ጴቶር ናይ ኣራም ነሃራዪም ብዋጋ ስለ ዘምፅእዎ እዩ።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos