5 ዝተለገበ ኣሳእን ኣብ ኣእጋሮም ገይሮም፥ ብላይ ክዳውንቲውን ተኸዲኖም ከዱ። እቲ ዝሰነቕዎ እንጀራ ድማ ዝነቐፀን ዝሰበበን ነበረ።
ኣቦኡ ግና ንሓሻኽሩ ‘ዝበለፀ ኽዳን ብቕልጡፍ ኣምፂእኹም ክደንዎ፤ ቀለበት ኣብ ኣፃብዕቱ፥ ኣሳእንውን ኣብ ኣእጋሩ ግበሩሉ፤
ኣርብዓ ዓመት ኣብ ምድረ በዳ መራሕኩኹም፤ ክዳውንትኹም ኣይበለየን፤ ኣሳእንኩምውን ኣይኣረገን።
ኣሳእንካ ሓፂንን ነሃስን ይኹን፤ ሓይልኻ ድማ ኸም ምሉእ ዕድሜኻ ይኹን።”
ረአዩ፥ እንጀራና በታ ናባኻትኩም ክንመፅእ ካብ ኣባይትና ዝወፃእናላ መዓልቲ ትኩስ ነይሩ፤ ሕዚ ግና እንሆ፥ ነቒፁን ሰቢቡን ኣሎ።
ኣሕርብትና ብሓድሹ እንተሎ ዝመላእናዮ እንሆ ተቐዲዱ፥ ክዳውንትናን ኣሳእናን ድማ ብራሕቒ መንገዲ በልዩ” በልዎ።
ተንኰል ገበሩ፤ ልኡኻት መሲሎም፥ ዝኣረጉ ለቛቱን፥ ቅዳድን ዝተለገበ ሓርቢ ወይንን ኣብ ኣእዱጎም ፀዓኑ።
ኢያሱ ሰፊርዎ ናብ ዘሎ ናብ ጌልገላ ኸይዶም ከዓ፥ ንእኡን ንሰብ እስራኤልን “ካብ ርሑቕ ሃገር ዝመፃእና ኢና፥ ሕዚ ድማ ምሳና ኺዳን እተዉ” በልዎም።