Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




መፅሓፍ ኢያሱ 9:4 - መፅሓፍ ቅዱስ

4 ተንኰል ገበሩ፤ ልኡኻት መሲሎም፥ ዝኣረጉ ለቛቱን፥ ቅዳድን ዝተለገበ ሓርቢ ወይንን ኣብ ኣእዱጎም ፀዓኑ።

Ver Capítulo Copiar




መፅሓፍ ኢያሱ 9:4
12 Referencias Cruzadas  

ደቂ ያእቆብ ከዓ ሴኬም ንሓፍቶም ዲና ስለ ዘነወራ፥ ንእኡን ነቦኡ ኤሞርን ብተንኰል መለሱሎም።


ኣብ ልዕሊ ትኪ ኸም ዝተሰቕለ ለቘታ ኾይነ እየሞ፤ ስርዓታትካ ግና ኣይረሳዕኹን።


“እንሆ ኣነ ኸም ኣባጊዕ፥ ናብ ማእኸል ተዃሉ እሰደኩም ኣለኹ፤ ደጊም ከም ተመን ብልህታት፥ ከም ርግቢ ኸዓ የዋሃት ኩኑ።


ንሓድሽ ወይኒ፥ ኣብ ዝበለየ ሓርቢ ኣይመልእዎን እዮም፤ እንተ ተገብረውን፥ እቲ ሓርቢ ይቕደድ፤ እቲ ወይኒ እውን ይፈስስ፤ እቲ ሓርቢ ኸዓ ይበላሾ። ንሓድሽ ወይኒ ግና ኣብ ሓድሽ ሓርቢ ይመልእዎ፤ ክልቲኦም ድማ ይተሓላለዉ” በሎም።


ንሓድሽ ወይኒ ድማ፥ ኣብ ብላይ ሓርቢ ዝመልእ የለን፤ እንተ ኾይኑውን እቲ ሓድሽ ወይኒ፥ ነቲ ብላይ ሓርቢ ይቐዶሞ፥ እቲ ወይኒ ይፈስስ፤ እቲ ሓርቢውን ይበላሾ። ንሓድሽ ወይኒ ግና፥ ኣብ ሓድሽ ሓርቢ ይመልእዎ” በሎም።


ነቲ ዓመፀኛ መጋቢ፥ ብጥበብ ስለ ዝገበረ፥ ጐይታኡ ነኣዶ፤ ካብ ደቂ ብርሃንስ፥ ደቂ እዛ ዓለም እዚኣ፥ ኣብ ናብራ ዓለም ይበላሓቱ እዮም እሞ።


ረአዩ፥ እንጀራና በታ ናባኻትኩም ክንመፅእ ካብ ኣባይትና ዝወፃእናላ መዓልቲ ትኩስ ነይሩ፤ ሕዚ ግና እንሆ፥ ነቒፁን ሰቢቡን ኣሎ።


ኣሕርብትና ብሓድሹ እንተሎ ዝመላእናዮ እንሆ ተቐዲዱ፥ ክዳውንትናን ኣሳእናን ድማ ብራሕቒ መንገዲ በልዩ” በልዎ።


ሰብ ጊብዓ ከዓ እቲ ኢያሱ ኣብ ኢያሪኮን ኣብ ጋይን ዝገበሮ ምስ ሰምዑ፥


ዝተለገበ ኣሳእን ኣብ ኣእጋሮም ገይሮም፥ ብላይ ክዳውንቲውን ተኸዲኖም ከዱ። እቲ ዝሰነቕዎ እንጀራ ድማ ዝነቐፀን ዝሰበበን ነበረ።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos