27 ኢያሱ ኸዓ፥ በታ መዓልቲ እቲኣ ኣብታ ዝሓረያ ቦታ ነቲ ማሕበርን ንመሰውኢ እግዚኣብሄርን ቘረፅቲ ዕንፀይትን ቀዳሕቲ ማይን ገበሮም። ንሳቶምውን ኣብታ እግዚኣብሄር ንቤቱ ዝሓረያ ቦታ ኽሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ ቘረፅቲ ዕንፀይትን ቀዳሕቲ ማይን ኮይኖም ኣለዉ።
ንሕና ኸዓ ኻብ ሊባኖስ ከም ዝደለኻዮ ኣእዋም ክንቈርፅ ኢና፤ ኣሲርና ብባሕሪ ብጃልባ ኣንሳፊፍናውን ናብ ኢዮጴ ኽነብፅሐልካ ኢና፤ ንስኻ ድማ ናብ ኢየሩሳሌም ተደይቦ።”
ካብ ብፅሒት ናይቶም ኣብ ውግእ ዝወዓሉ፥ ከካብ ሓሙሽተ ሚእቲ ምሩኻት ሰባት፥ ሓደ ንእግዚኣብሄር ግብሪ ፍለዩ፤ ከምኡውን ካብ ከፍትን ኣእዱግን ኣባጊዕን ኣጣልን ከምኡ ጌርኩም ፍለዩ።
ካብ ብፅሒት እቲ ህዝቢ ድማ ኸካብ ሓምሳ ምሩኻት ሰባት፥ ሓደ ንእግዚኣብሄር ግብሪ ውሰዱ፤ ከምኡውን ካብ ከፍትን ኣእዱግን ኣባጊዕን ኣጣልን ከምኡ ጌርኩም ውሰዱ። ነቶም ድንኳን እግዚኣብሄር ዝሕልዉ ሌዋውያን ድማ ሃብዎም።”
ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ ድማ፥ ሙሴ ኻብዙይ ናይ ደቂ እስራኤል ብፅሒት ካብ ሰብን ካብ እንስሳን፥ ከካብ ሓምሳ፥ ሓደ ወሲዱ፥ ነቶም ድንኳን እግዚኣብሄር ዝሕልዉ ዝነበሩ ሌዋውያን ሃቦም።
ሽዑ ናብታ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ንስሙ መፀውዒ ዝሓረያ ቦታ፥ እዝ ዅሉ ኣነ ዝእዝዘኩም ዘለኹ፥ ዝቃፀል መስዋእትኹምን መስዋእቲ ሕሩድኩምን ኣስራትኩምን ዝለዓል መስዋእትታት ኣእዳውኩምን፥ እቲ ንእግዚኣብሄር ዝተመባፃዕኹምዎ ሕሩይ መብፅዓኹምን ናብኣ ኣምፅኡ።
ዝቃፀል መስዋእትኹም ኣብቲ እግዚኣብሄር ኣብ ምድሪ ሓደ ኻብ ነገዳትኩም ዝሓረያ ቦታ ደኣ ኣቕርቡ። እዝ ኣነ ዝእዝዘኩም ዘለኹ ዅሉ ኸዓ ኣብኣ ኣቕርቡ።
ግና እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ካብ ምድሪ ዅሎም ነገዳትኩም ስሙ ኸንብረላ ዝሓረያ ቦታ ኽትመፁ ኢኹም፤ ንስኻትኩም ከዓ ነታ መሕደሪኡ ድለዩ።
እቶም ኣሕሉቕ ብህይወት ይንበሩ በልዎም፤ ከም ዝተናገርዎምውን ንዅሉ ህዝቢ ቘረፅቲ ዕንፀይትን ቀዳሕቲ ማይን ኮኑ።”
ኢያሱ ኻብ ኢድ ደቂ እስራኤል ኣናገፎም፤ ንሳቶምውን ኣይቀተልዎምን።