25 ሕዚ ድማ እንሆ፥ ኣብ ኢድካ ኢና፤ ንኣና ድማ ኽትገብሮ ፅቡቕን ቅኑዕን መሲሉ ዝተርኣየካ ግበረና” ኢሎም መለሱሉ።
ኣብራም ድማ ንሶራ፥ “እኒሃ፥ ግዝእትኺ ኣብ ኢድኪ እያ፤ ከም ዝደለኺ ግበርያ” በላ። ሽዑ ሶራ ንኣጋር ኣሳቐየታ፤ ንሳ ኸዓ ኻብ ቅድሚኣ ሃደመት።
ብኣይ ሕጉስ እንተ ዘይኮይኑ ግና፥ እኒሀኹ፥ ከም ዝደለዮ ይግበረኒ” በሎ።
ዳዊት ከዓ ንጋድ “የመና ጨኒቑኒ ኣሎ፤ ግና ምሕረቱ ብዙሕ እዩ እሞ፥ ኣብ ኢድ ሰብ ካብ ምውዳቕስ ኣብ ኢድ እግዚኣብሄር ምውዳቕ ይሕሸኒ” በሎ።
ስለዙይ እቲ ኣዛዚ ቤትን እቲ ኣዛዚ እታ ኸተማን እቶም ዓበይትን እቶም መዕበይቲ ደቅን “ንሕና ሓሻኽርካ ኢና፤ ዝበልካና ዅሉ ንገብር፤ ደስ ዘብለካ ደኣ ግበር እምበር፥ ንሓደ እኳ ኣይነንግስን ኢና” ኢሎም ናብ ኢዩ ለኣኹሉ።
ኣብ ልዕሊ ህዝበይ ተቘጢዐ ነይረ፤ ንርስተይውን ተፀየፍኩ፤ ናብ ኢድኪ ድማ ኣሕሊፈ ሃብክዎም፤ ንስኺውን ኣይመሓርክዮምን፤ እኳ ደኣ ኣብቶም ኣረጋውያን፥ ኣርዑትኪ የመና ኣኽበድኪ።
ኣነ ግና እኒሀኹ ኣብ ኣእዳውኩም እየ፤ ፅቡቕን ቅኑዕን ኮይኑ ዝተርኣየኩም ግበሩ።
ንጉስ ሴዴቅያስ ከዓ “ንሱ ኣብ ኢድኩም እዩ፤ ንጉስ ኣይቃወመኩምን” በለ።
እወ፥ ኦ ኣቦይ! ፍቓድካ ኸምኡ እዩ እሞ።
ኢያሱ ኻብ ኢድ ደቂ እስራኤል ኣናገፎም፤ ንሳቶምውን ኣይቀተልዎምን።
ደቂ እስራኤል ድማ ንእግዚኣብሄር “በይዛኻ በዛ መዓልቲ እዚኣ ደኣ ኣድሕነና እምበር፥ በዲልና ኢና፤ ንስኻ ኸምቲ ዝሐይሽ ኮይኑ ዝተርአየካ ደስ ዝበለካ ግበረና” በልዎ።
ናብ ሰብ ሱኮት መፂኡ ድማ “ነቶም ዝደኸሙ ሰብካ እንጀራ ኽንህቦምስ፥ ኢድ ዛብሄልን ኢድ ስልማናን ሕዚ ኣብ ኢድካ ድዩ? ኢልኩም ዘባጨኹምለይስ፥ ዛብሄልን ስልማናን እኒሀዉ” በሎም።
ሽዑ ሳሙኤል እንተይሓብአ ኵሉ ነገሮ። ኤሊ ድማ “ንሱ እግዚኣብሄር እዩ፤ ፅቡቕ ኮይኑ ዝተርኣዮ ይግበር” በለ።