23 ሕዚ ድማ ንስኻትኩም ርጉማት ኢኹም፤ ካባኻትኩምውን ንቤት ኣምላኸይ ቈረፅቲ ዕንፀይትን ቀዳሕቲ ማይን ዝኾነ ባርያ ንዘለኣለም ኣይጠፍእን” በሎም።
እቶም ኣሕሉቕ ብህይወት ይንበሩ በልዎም፤ ከም ዝተናገርዎምውን ንዅሉ ህዝቢ ቘረፅቲ ዕንፀይትን ቀዳሕቲ ማይን ኮኑ።”
ኢያሱ ኸዓ፥ በታ መዓልቲ እቲኣ ኣብታ ዝሓረያ ቦታ ነቲ ማሕበርን ንመሰውኢ እግዚኣብሄርን ቘረፅቲ ዕንፀይትን ቀዳሕቲ ማይን ገበሮም። ንሳቶምውን ኣብታ እግዚኣብሄር ንቤቱ ዝሓረያ ቦታ ኽሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ ቘረፅቲ ዕንፀይትን ቀዳሕቲ ማይን ኮይኖም ኣለዉ።