19 እቶም ሹመኛታት ዅሎም ድማ ንዅሉ እቲ ህዝቢ “ንሕና ብእግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ምሒልናሎም ኢና፤ ስለዙይ ሕዚ ክንነኽኦም ኣይንኽእልን ኢና።
ኣነ “ብእግዚኣብሄር ስለ ዝመሓልካ ንትእዛዝ ንጉስ ሓልዎ” እብለካ ኣለኹ።
ንፃድቕን ንሓጥእን፥ ንሕያዋይን ንኽፉእን፥ ንንፁህን ንርኹስን፥ ነቲ ዝስውእን ዘይስውእን፥ ንዅሎም ብፅሒቶም ሓደ እዩ፤ ከምቲ ንሕያዋይ ከምኡ ንሓጥእ፥ ከምቲ ንዝምሕል ከምኡውን ማሕላ ንዝፈርሕ ሓንቲ እያ ብፅሒቶም።
ሽዑ ‘እግዚኣብሄር ህያው እዩ’ ኢልካ ብሓቅን ብቕንዕናን ብፅድቅን እንተ መሓልካ፥ ኣህዛብ ከዓ ብእኡ ኽባረኹን ብእኡ ድማ ኽምክሑን እዮም” ይብል እግዚኣብሄር።
እቶም ሹመኛታቶም ብስም እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ምሒሎምሎም ስለ ዝነበሩ ግና፥ ደቂ እስራኤል ኣይቀተልዎምን። ኵሉ እቲ ህዝቢ ኸዓ ኣብ ልዕሊ እቶም ሹመኛታት ኣጕረምረመ።
ብዛዕባ እቲ ዝመሓልናሎም ማሕላ መዓት ከይወርደናስ እዙይ ንግበረሎም፤ ብህይወትውን ንሕደጎም በልዎም።