Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




መፅሓፍ ኢያሱ 9:18 - መፅሓፍ ቅዱስ

18 እቶም ሹመኛታቶም ብስም እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ምሒሎምሎም ስለ ዝነበሩ ግና፥ ደቂ እስራኤል ኣይቀተልዎምን። ኵሉ እቲ ህዝቢ ኸዓ ኣብ ልዕሊ እቶም ሹመኛታት ኣጕረምረመ።

Ver Capítulo Copiar




መፅሓፍ ኢያሱ 9:18
11 Referencias Cruzadas  

እቲ ንጉስ ምእንቲ እቲ ኣብ መንጎኡን ኣብ መንጎ ዮናታን ወዲ ሳኦልን ዝነበረ ብስም እግዚኣብሄር ዝተገብረ ማሕላ ኢሉ ንሜምፊቦስቴ ወዲ ዮናታን ወዲ ሳኦል ራህርሀሉ።


ክፉእ ነገር ኣብ ቅድሚኡ ዝተንዓቐ፥ ነቶም ንእግዚኣብሄር ዝፈርሑ ዘኽብር፥ ንብፃዩ ምሒሉ ዘይጠልም፥


ብኣፍኻ ኣይትቐልጥፍ፤ ኣብ ቕድሚ እግዚኣብሄርውን ንምዝራብ ኣይትሸኵል። ኣምላኽ ኣብ ሰማይ፥ ንስኻ ኣብ ምድሪ ኢኻሞ፥ ቃላትካ ውሑድ ይኹን።


ንስጋኻ ብሓጢኣት ከየስሕቶ ንኣፍካ ሓርነት ኣይትሃቦ፤ ኣብ ቅድሚ መልኣኽውን ስሕተት እዩ ነይሩ ኣይትበል። ስለ ምንታይከ እግዚኣብሄር ብቓልካ ኽቝጣዕን ንግብሪ ኣእዳውካ ኸጥፍኦን እትደሊ?


ንፃድቕን ንሓጥእን፥ ንሕያዋይን ንኽፉእን፥ ንንፁህን ንርኹስን፥ ነቲ ዝስውእን ዘይስውእን፥ ንዅሎም ብፅሒቶም ሓደ እዩ፤ ከምቲ ንሕያዋይ ከምኡ ንሓጥእ፥ ከምቲ ንዝምሕል ከምኡውን ማሕላ ንዝፈርሕ ሓንቲ እያ ብፅሒቶም።


“ሰበይቲ ድማ ብጊዜ ንእስነታ፥ ኣብ እንዳ ኣቦኣ እንተላ፥ ንእግዚኣብሄር ዝኾነ ነገር ክትህቦ እንተ ተመባፅዐት፥ ወይ ‘እዝ ነገር እዙይ ይትረፈኒ’ ብምባልውን እንተ ተመባፅዐት፥


እንተ ዘይተመባፃዕኹም ግና ሓጢኣት የብልኩምን።


እቲ ኻብ ከናፍርኹም ዝወፀ፥ ከምቲ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ብፍታውኩም ዝተመባፃዕኹምዎ፥ ኣፍኩም ዝተዛረቦ፥ ሓልዉዎን ፈፅሙዎን።


“ናብ ኣታኽልቲ ወይኒ ብፃይኩም እንተ ኣተኹም፥ ካብቲ ወይኒ ቓሕ፥ ከም ዝበለኩም፥ ክሳዕ እትፀግቡ ብልዑ፤ ብኣቕሓኹም ግና ኣይትውሰዱ።


ደቂ እስራኤል ድማ ኻብቲ ዝነበርዎ ተልዒሎም ብሳልሰይቲ መዓልቲ ናብተን ጊብዓን ከፌራን ቤኤሮትን ቂርያት የዓሪምን ዝበሃላ ኸተማታቶም በፅሑ።


እቶም ሹመኛታት ዅሎም ድማ ንዅሉ እቲ ህዝቢ “ንሕና ብእግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ምሒልናሎም ኢና፤ ስለዙይ ሕዚ ክንነኽኦም ኣይንኽእልን ኢና።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos