Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




መፅሓፍ ኢያሱ 9:17 - መፅሓፍ ቅዱስ

17 ደቂ እስራኤል ድማ ኻብቲ ዝነበርዎ ተልዒሎም ብሳልሰይቲ መዓልቲ ናብተን ጊብዓን ከፌራን ቤኤሮትን ቂርያት የዓሪምን ዝበሃላ ኸተማታቶም በፅሑ።

Ver Capítulo Copiar




መፅሓፍ ኢያሱ 9:17
24 Referencias Cruzadas  

ንኢያቡስቴ ክልተ ሰባት፥ ኣሕሉቕ ጭፍራ ነበርዎ፤ ስም እቲ ሓደ በዓና፥ ስም እቲ ኻልኣይ ከዓ ሬካብ ነበረ። ንሳቶም ደቂ ሪሞን በዓል ብኤሮት፥ ካብ ደቂ ብንያም ነበሩ። ብኤሮት ምስ ብንያም እያ እትቝፀር።


ሰማያስ ገባዖናዊ፥ ንሱ ናይቶም ሰላሳ ሓለቓ ጅግና ሰብኣይ ነበረ። ኤርሚያስ፥ ያሕዝኤል፥ ዮሓናን፥ ዮዛባት ገድሮታን፥


ደቂ ካሌብ እዚኣቶም እዮም፦ ሆር፥ ኤፍራታ ዝወለዶ በዅሪ ወዱ ሶባል፥ ንሱ ኸዓ ንቂርያትይዓሪም ወለደ።


ኣቦ ቂርያትይዓሪም ሶባል፥ ኣቦ መናሕታውያን ሃሮኤ ዝበሃሉ ህዝቢ ወለደ፤


ዓሌታት ቂርያትይዓሪም፦ ይትራውያን፥ ፉታውያን፥ ሹማታውያን፥ ሚሽራዓውያን። ካብዚኣቶም ፆርዓውያንን ኤሽታኦላውያንን ተወለዱ።


እቲ ሙሴ ኣብ በረኻ ዝሰርሖ መሕደሪ እግዚኣብሄርን፥ እቲ ናይ ዝቃፀል መስዋእቲ መሰውእን በቲ ጊዜ እቱይ ኣብቲ ናይ ገባዖን ኰረብታ እዩ ዝነበረ።


ደቂ ቂርያትይዓሪምን ከፊራን ብኤሮትን ሸውዓተ ሚእትን ኣርብዓን ሰለስተን።


ሰብ ቂርያትይዓሪምን ከፊራን ብኤሮትን፥ ሸውዓተ ሚእትን ኣርብዓን ሰለስተን፤


ከምኡውን ትንቢት ዝተነበየ ኦርዮ ወዲ ሸማያ፥ በዓል ቅርያትየዓሪም ነበረ። ንሱ ኸዓ ኸም ኵለን ቃል ኤርሚያስ ገይሩ፥ ኣብ ከተማን ኣብዛ ምድሪ እዚኣን ትንቢት ተናገረ።


ጊብዓ ከም ሓንቲ ኻብተን ከተማታት ነገስታት ዓባይ ከተማ ስለ ዝነበረት፥ ካብ ጋይ እኳ እትዓቢ ስለ ዝነበረት፥ ኵሎም ሰባውን ጀጋኑ ስለ ዝነበሩ፥ ሰብ ኢየሩሳሌም የመና ፈርሑ።


ቂርያትይዓሪም፥ ወይ ቂርያትበኣል ረባት። ክልተ ኸተማታት እየን፤ ኣብ ዙርያአን ዘለዋ ቑሸታት እውን ኣለዋ።


ካብ ርእሲ እቲ እምባ ኸዓ እቲ ወሰን ናብ ዓይኒ ማይ ነፍቶ ይበፅሕ፤ ናብ ከተማታት እምባ ዔፍሮንውን ይወፅእ፤ እቲ ወሰን ከዓ ናብ በዓላ፥ ወይ ቂርያት የዓሪም ይበፅሕ።


እቲ ወሰን ድማ ቐፂሉ ኻብቲ ኣብ መንፅር ቤትሖሮን ብደቡብ ዘሎ ጎቦ ብወገን ምዕራብ ኣቢሉ ንደቡብ ይዘውር። ናብ ቂርያት በዓል፥ ወይ ቂርያት የዓሪም፥ ናብ ከተማ ደቂ ይሁዳ ይወፅእ። እዙይ ብወገን ምዕራብ ዘሎ ወሰን እዩ።


ብወገን ደቡብ ድማ ኻብ ወሰን ቂርያት የዓሪም ንምዕራብ ኣቢሉ ይሓልፍ፤ ናብ ዓይኒ ማይ ነፍቶኣ ድማ ይድይብ።


ምስኣቶም ቃል ኪዳን ምስ ኣተዉ፥ ብድሕሪ ሰለስተ መዓልቲ ኣብ ጥቓኦም ዝነብሩ ጐረባብቶም ምዃኖም፥ ሰምዑ።


እቶም ሹመኛታቶም ብስም እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ምሒሎምሎም ስለ ዝነበሩ ግና፥ ደቂ እስራኤል ኣይቀተልዎምን። ኵሉ እቲ ህዝቢ ኸዓ ኣብ ልዕሊ እቶም ሹመኛታት ኣጕረምረመ።


ሰብ ጊብዓ ከዓ እቲ ኢያሱ ኣብ ኢያሪኮን ኣብ ጋይን ዝገበሮ ምስ ሰምዑ፥


ንሳቶም ከዓ “ንሕና ብዛዕባ እግዚኣብሄር ኣምላኽካን ብዛዕባ እቲ ኣብ ግብፂ ዝገበሮ ዅሉን ሰሚዕና ኻብ ርሑቕ ሃገር ዝመፃእና ኢና።


ደዪቦም ከዓ ኣብ ቅርያት የዓሪም ናይ ይሁዳ ሰፈሩ። ስለዙይ እታ ብምዕራብ ቅርያት የዓሪም ዘላ ቦታ ኽሳዕ ሎሚ ሰፈር ዳን ትብሃል ኣላ።


ነቶም ኣብ ቂርያትይዓሪም ዝነብሩ ሰባት ከዓ፥ “ፍልስጥኤማውያን ንታቦት እግዚኣብሄር መሊሶምዎ እዮም እሞ፥ ወሪድኩም ናባኻትኩም ኣደይብዎ” ኢሎም ልኡኻት ሰደዱሎም።


እቶም ሰብ ቂርያትይዓሪም ድማ መፂኦም ንታቦት እግዚኣብሄር ኣደዪቦም ናብታ ኣብ ኰረብታ ዘላ ቤት ኣሚናዳብ ኣእተውዎ፤ ንወዱ ኣልኣዛር ከዓ ታቦት እግዚኣብሄር ክሕሉ ቐደስዎ።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos