16 ምስኣቶም ቃል ኪዳን ምስ ኣተዉ፥ ብድሕሪ ሰለስተ መዓልቲ ኣብ ጥቓኦም ዝነብሩ ጐረባብቶም ምዃኖም፥ ሰምዑ።
ሓቀኛ ኸንፈር ንዘለኣለም ትነብር፤ ሓሳዊት መልሓስ ግና ኸም ቅፅበት ዓይኒ እያ።
ኢያሱ ድማ ምስቶም ሰብ ጊብዓ ሰላም ገበረ፤ ብህይወት ክሓድጎም ከዓ ቃል ኺዳን ኣተወሎም። ኣሕሉቕ እስራኤልውን መሓሉሎም።
ደቂ እስራኤል ድማ ኻብቲ ዝነበርዎ ተልዒሎም ብሳልሰይቲ መዓልቲ ናብተን ጊብዓን ከፌራን ቤኤሮትን ቂርያት የዓሪምን ዝበሃላ ኸተማታቶም በፅሑ።
ኢያሱ ድማ ንሰብ ጊብዓ ናብኡ ፀዊዑ “ኣብ ጥቓና እናሃለኹምስ ‘ንሕና ኻባኻትኩም እምብዛ ርሑቓት ኢና’ ብምባል ስለ ምንታይ ኣታለልኩምና?
ንሳቶም ከዓ “ንሕና ብዛዕባ እግዚኣብሄር ኣምላኽካን ብዛዕባ እቲ ኣብ ግብፂ ዝገበሮ ዅሉን ሰሚዕና ኻብ ርሑቕ ሃገር ዝመፃእና ኢና።