15 ኢያሱ ድማ ምስቶም ሰብ ጊብዓ ሰላም ገበረ፤ ብህይወት ክሓድጎም ከዓ ቃል ኺዳን ኣተወሎም። ኣሕሉቕ እስራኤልውን መሓሉሎም።
ሽዑ ንጉስ ንገባዖናውያን ፀዊዑ ተዛረቦም። (ገባዖናውያን ካብቶም ኣሞራውያን ተሪፎም ዝነበሩ እዮም እምበር፥ ካብ ወገን ደቂ እስራኤል ኣይኮኑን። ደቂ እስራኤል ከዓ ኸየጥፍእዎም ምሒሎምሎም ነበሩ። ሳኦል ግና በቲ ብዛዕባ ደቂ እስራኤልን ይሁዳን ዝነበሮ ቕንኣት፥ ከጥፍኦም ፈቲኑ ነበረ።)
ምስኣቶም ኮነ፥ ምስ ኣማልኽቶም ኪዳን ኣይትእቶ።
ንጉስ ኢየሩሳሌም ኣዶኒፄዴቅ፥ ኢያሱ ንጋይ ከም ዝሓዛን ፈፂሙ ኸም ዘጥፍኣን፥ ከምቲ ንኢያሪኮን ንንጉሳን ዝገበሮ፥ ከምኡ ድማ ንጋይን ንንጉሳን ከም ዝገበረ ሰምዐ። እቶም ሰብ ጊብዓውን ምስ እስራኤል ሰላም ከም ዝገበሩን፥ ኣብ ማእኸሎምውን ከም ዝነብሩን ሰምዐ።
“ገባዖን ምስ ኢያሱን ምስ ደቂ እስራኤልን ተዓሪቓ እያ እሞ፥ ክንዋግኣ ናባይ ደይብኩም ሓግዙኒ” በሎም።
ብዘይ እቶም ኣብ ገባዖን ዝነብሩ ኤዊያውያን ምስ እስራኤል ሰላም ዝገበረት ከተማ ኣይነበረትን። ንዅለን ተዋጊኦም እዮም ዝሓዝወን።
ምስኣቶም ቃል ኪዳን ምስ ኣተዉ፥ ብድሕሪ ሰለስተ መዓልቲ ኣብ ጥቓኦም ዝነብሩ ጐረባብቶም ምዃኖም፥ ሰምዑ።