13 ኣሕርብትና ብሓድሹ እንተሎ ዝመላእናዮ እንሆ ተቐዲዱ፥ ክዳውንትናን ኣሳእናን ድማ ብራሕቒ መንገዲ በልዩ” በልዎ።
ንሓድሽ ወይኒ፥ ኣብ ዝበለየ ሓርቢ ኣይመልእዎን እዮም፤ እንተ ተገብረውን፥ እቲ ሓርቢ ይቕደድ፤ እቲ ወይኒ እውን ይፈስስ፤ እቲ ሓርቢ ኸዓ ይበላሾ። ንሓድሽ ወይኒ ግና ኣብ ሓድሽ ሓርቢ ይመልእዎ፤ ክልቲኦም ድማ ይተሓላለዉ” በሎም።
ንሓድሽ ወይኒ ድማ፥ ኣብ ብላይ ሓርቢ ዝመልእ የለን፤ እንተ ኾይኑውን እቲ ሓድሽ ወይኒ፥ ነቲ ብላይ ሓርቢ ይቐዶሞ፥ እቲ ወይኒ ይፈስስ፤ እቲ ሓርቢውን ይበላሾ። ንሓድሽ ወይኒ ግና፥ ኣብ ሓድሽ ሓርቢ ይመልእዎ” በሎም።
ንሓድሽ ወይኒ እውን፥ ኣብ ብላይ ሓርቢ ዝመልእ የለን፤ እንተ ኾይኑውን፥ እቲ ሓድሽ ወይኒ፥ ነቲ ሓርቢ ይቐዶ፤ እቲ ወይኒ እውን፥ ይፈስስ፤ እቲ ሓርቢ ድማ ይበላሾ።
ኣርብዓ ዓመት ኣብ ምድረ በዳ መራሕኩኹም፤ ክዳውንትኹም ኣይበለየን፤ ኣሳእንኩምውን ኣይኣረገን።
ረአዩ፥ እንጀራና በታ ናባኻትኩም ክንመፅእ ካብ ኣባይትና ዝወፃእናላ መዓልቲ ትኩስ ነይሩ፤ ሕዚ ግና እንሆ፥ ነቒፁን ሰቢቡን ኣሎ።
ሽዑ እቶም ሰብ እስራኤል ካብቲ ስንቆም ወሲዶም ረአዩ፤ ፍቓድ እግዚኣብሄር ግና ኣይጠየቑን።
ተንኰል ገበሩ፤ ልኡኻት መሲሎም፥ ዝኣረጉ ለቛቱን፥ ቅዳድን ዝተለገበ ሓርቢ ወይንን ኣብ ኣእዱጎም ፀዓኑ።
ዝተለገበ ኣሳእን ኣብ ኣእጋሮም ገይሮም፥ ብላይ ክዳውንቲውን ተኸዲኖም ከዱ። እቲ ዝሰነቕዎ እንጀራ ድማ ዝነቐፀን ዝሰበበን ነበረ።