Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




መፅሓፍ ኢያሱ 9:11 - መፅሓፍ ቅዱስ

11 እቶም መራሕትናን ኣብ ሃገርና ዝነብሩ ዅሎም ህዝብን ከዓ ኸምዙይ በሉና፦ ‘ስንቂ ንመንገድኹም ተማሊእኹም ክትቅበልዎም ኪዱ። ንሕና ሓሻኽርኩም ኢና፥ ሕዚ ኸዓ ቓል ኪዳን እተዉልና በልዎም’ በሉና።

Ver Capítulo Copiar




መፅሓፍ ኢያሱ 9:11
9 Referencias Cruzadas  

ገንዘብ ድማ ዕፅፊ ጌርኩም ተማልኡ፤ እቲ ኣብ ኣፍ ለቛቱኹም ዝተመለሰ ገንዘብውን፥ ምናልባሽ ብጌጋ ኸይኸውን ተማልእዎ።


ስለዙይ እቲ ኣዛዚ ቤትን እቲ ኣዛዚ እታ ኸተማን እቶም ዓበይትን እቶም መዕበይቲ ደቅን “ንሕና ሓሻኽርካ ኢና፤ ዝበልካና ዅሉ ንገብር፤ ደስ ዘብለካ ደኣ ግበር እምበር፥ ንሓደ እኳ ኣይነንግስን ኢና” ኢሎም ናብ ኢዩ ለኣኹሉ።


ኣብ ኵለን ሃገራትን ኣብ ኵለን ከተማታትን ቃል ንጉስን ትእዛዙን ናብ ዝበፅሖ ዅሉ ቦታ ንኣይሁድ ሓጐስን ደስታን ኮነሎም፤ ብመብልዕን መስተን ድማ ዓብዪ በዓል ገበሩ። ካብ ህዝብታት እታ ምድሪ ኸዓ፥ ንኣይሁድ ስለ ዝፈርሑ፥ ብዙሓት ሰባት ኣይሁድ ኮኑ።


ከምዙይውን በሎም፦ “ንመገሻ በትሪ ኾነ ሳንጣ፥ እንጀራ ኾነ ገንዘብ ኣይትማልኡ፤ ክልተ ኽዳውንቲ እውን ኣይትሓዙ።


እቲ ነቶም ኣብ ማዕዶ ዮርዳኖስ ዝነበሩ ኽልተ ነገስታት ኣሞራውያን፥ ንሴዎን ንጉስ ሓሴቦንን፥ ነቲ ኣብ ኣስታሮት ዝነበረ ዓግ ንጉስ ባሳንን፥ ዝገበሮ ዅሉ ድማ ሰሚዕና ኢና።


ረአዩ፥ እንጀራና በታ ናባኻትኩም ክንመፅእ ካብ ኣባይትና ዝወፃእናላ መዓልቲ ትኩስ ነይሩ፤ ሕዚ ግና እንሆ፥ ነቒፁን ሰቢቡን ኣሎ።


ንኢያሱ ኸዓ “ንሕና ሓሻኽርካ ኢና” በልዎ። ኢያሱ ግና “እንታዎት ኢኹም? ካበይከ መፂእኹም?” በሎም።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos