5 ኣነን እቲ ምሳይ ዘሎ ዅሉ ህዝብን ድማ፥ ናብታ ኸተማ ኽንፅጋዕ ኢና። ከምቲ ናይ ቀዳማይ ክዋግኡና ምስ ወፁ፥ ካብ ቅድሚኣቶም ክንሃድም ኢና።
“እንሆ ኣነ ኸም ኣባጊዕ፥ ናብ ማእኸል ተዃሉ እሰደኩም ኣለኹ፤ ደጊም ከም ተመን ብልህታት፥ ከም ርግቢ ኸዓ የዋሃት ኩኑ።
ናይ ጋይ ሰባት ካብኣቶም ኣስታት ሰላሳን ሽዱሽተን ሰባት ቀተሉ፤ ካብ ደገ እታ ኸተማ ኽሳዕ ሸባሪምውን ኣሳጐጕዎም። ኣብቲ ቝልቍለት ድማ ወቕዕዎም። ልቢ እቶም ህዝቢ መኸኸ፤ ከም ማይውን ኮነ።
ሽዑ ‘ከምቲ ናይ ቀዳማይ ካብ ቅድሜና ይሃድሙ ኣለዉ’ ኽብሉ እዮም፤ ወፂኦም ምእንቲ ኽስዕቡና ኻብታ ኸተማ ኽሳዕ እነርሕቖም፥ ካብ ቅድሚኣቶም ክንሃድም ኢና።