Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




መፅሓፍ ኢያሱ 8:35 - መፅሓፍ ቅዱስ

35 ኢያሱ ድማ ንዅሎም ደቂ እስራኤልን ንኣንስቶምን ህፃናቶምን፥ ነቶም ኣብ ማእኸሎም ዝነብሩ ባዕዳንን፥ ነቲ ሙሴ ዝኣዘዞ ሕጊ ብምሉኡ ኣንበበሎም እምበር፥ ሓደ ቓል እኳ ኣይሓደገን።

Ver Capítulo Copiar




መፅሓፍ ኢያሱ 8:35
15 Referencias Cruzadas  

እዝራ እናፀለየን እናተናዘዘን እናበኸየን፥ ኣብ ቅድሚ ቤት ኣምላኽ ብገፁ ወዲቑ እንተሎ፥ ካብ እስራኤል፥ ሰብኡትን ኣንስትን ህፃናትን የመና ብዙሕ ህዝቢ ናብኡ ተኣከበ። እቲ ህዝቢ ኸዓ ብርቱዕ ብኽያት በኸየ።


በታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ናይታ ሻውዐይቲ ወርሒ፥ እዝራ እቲ ኻህን ናብ ቅድሚ እታ ማሕበር ሰብኡትን ኣንስትን ከስተውዕሉ ዝኽእሉ ቘልዑ ዅላቶምን፥ ነቲ ሕጊ ኣምፅኦ።


ካብ ወጋሕታ ጀሚሩ ኸዓ ኽሳዕ ፍርቂ መዓልቲ፥ ኣብታ መረኣእይቲ ኣፍ ደገ ማይ ዘላ ገፋሕ ቦታ ኾይኑ፥ ኣብ ቅድሚ ሰብኡትን ኣንስትን፥ ኣብ ቅድሚ ኸስተውዕሉ ዝኽእሉ ዅላቶምን ኮይኑ ኣንበቦ። እዝኒ እቲ ህዝቢ ድማ ነቲ መፅሓፍ ሕጊ ኽሰምዕ ፅን ይብል ነበረ።


ምስኣቶም ድማ ኻልእ ዝዓሌቱ ብዙሕ ሕውስዋስ ህዝቢ ኸደ፤ ከምኡውን ኣባጊዕን ከፍትን የመና ብዙሓት ጥሪትን ምስኣቶም ወፁ።


እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል፦ “ኣብቲ ዓፀድ ቤት እግዚኣብሄር ቁም እሞ፥ ንዅሎም እቶም ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ክሰግዱ፥ ካብ ከተማታት ይሁዳ ዝመፁ፥ እዝ ዅሉ ኣነ ንገሮም ኢለ ዝእዝዘካ ዘለኹ ቓላት፥ ሓንቲ ቓል እኳ እንተየጕደልካ ንገሮም።


ህዝቢ ኣክቡ፤ ነቲ ጉባኤውን ቀድሱ፤ ንኣረጋውያን ኣክቡ፤ ቈልዑን ጡብ ዝጠብዉ ህፃናትን ኣክቡ፤ መርዓዊ ኻብ ሕልፍኚ፥ መርዓት ከዓ ኻብ መጋረጃኣ ይውፅኡ።


በተን መዓልቲታት እቲኣተን፥ ካብ ኵሉ ቛንቋታት ኣህዛብ ዝኾኑ ዓሰርተ ሰባት፥ ንሓደ ኣይሁዳዊ ዘፈር ክዳኑ ሒዞም ‘እግዚኣብሄር ምሳኻትኩም ከም ዝኾነ ሰሚዕና ኣለና እሞ፥ ምሳኻትኩም ኽንከይድ ኢና’ ኽብልዎም እዮም፤ ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር።”


ኢየሱስ ነዙይ ምስ ረአየ ተቘጢዑ ኸምዙይ በሎም፦ “ህፃናት ናባይ ይምፅኡ ሕደግዎም፤ መንግስቲ እግዚኣብሄር ነዞም ከምዚኣቶም ዝበሉ እያ እሞ ኣይትኸልክልዎም።


ኵሉ ፍቓድ እግዚኣብሄር ደኣ ነገርኩኹም እምበር፥ ዘትረፍኩልኩም የብለይን።


እተን መዓልቲታት እቲኣተን ምስ ኣሕለፍና፥ ካብኡ ወፂእና ኽንጐዓዝ ተልዓልና፤ ኵሎም ድማ፥ ምስ ኣንስቶምን ደቆምን ኮይኖም፥ ክሳዕ ወፃኢ እታ ኸተማ ኣፋነዉና፤ ኣብቲ ገምገም ባሕሪ ኸዓ ተንበርኪኽና ፀለና።


ሎሚ ዅልኻትኩም፥ ኣሕሉቕኩም፥ መራሕቲ ነገዳትኩም፥ ዓበይትኹም፥ ሹመኛታትኩም፥ ኵሎም ሰብኡት ደቂ እስራኤል፥ ኵሎም ደቅኹምን ኣንስትኹምን፥ ኣብ ማእኸልኩም ዝነብሩ ፈለፅቲ ዕንፀይትኹምን፥ ቀዳሕቲ ማይኩም ዝኾኑ ጓኖትን፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ደው ኢልኩም ኣለኹም።


“ኵሉ እቲ እትገብርዎ ምእንቲ ኽሰልጠኩምስ ንቓል እዝ ኺዳን እዙይ ተጠንቂቕኩም ሓልውዎ።


ምእንቲ ኽሰምዑን ክመሃሩን እሞ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ክፈርሕዎ፥ ንቓል እዝ ሕጊ እዙይ ከዓ ተጠንቂቖም ምእንቲ ኽሕልውዎ፥ ንሰብኡትን ኣንስትን ቈልዑን ኣብ ከተማታትኩም ንዝነብሩ ባዕዳንን፥ ኣክብዎም።


ነዝ ኣነ ዝእዝዘኩም ዘለኹ ትእዛዛት እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ምእንቲ ኽትሕልዉ፥ ኣብ ልዕሊ እቲ ኣነ ዝእዝዘኩም ኣይትወስኹ፤ ካብኡ ኸዓ ኣይትነክዩ።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos