30 ሽዑ ኢያሱ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል፥ ኣብ እምባ ጌባል መሰውኢ ሰርሐ።
ኖህ ድማ ንእግዚኣብሄር መሰውኢ ሰርሐ፤ ካብ ንፁህ እንስሳን ካብ ኵሎም ንፁሃት ኣዕዋፍን ወሲዱ ኸዓ፥ ዝቃፀል መስዋእቲ ኣብቲ መሰውኢ ኣቕረበ።
“ካብ መሬት ዝተሰርሐ መሰውኢ ግበረለይ፤ ኣብ ልዕሊኡ ድማ ኣባጊዕኻን ኣብዑርካን ዝቃፀል መስዋእትኻን፥ መስዋእቲ ድሕነትካን ሰውእ። ስመይ ክዝከር ኣብ ዝገበርኩሉ ዅሉ ቦታ ናባኻ መፂአ ኽባርኸካ እየ።
ናብታ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ዝህበኩም ምድሪ፥ በታ ንፈለግ ዮርዳኖስ እትሳገሩላ መዓልቲ ዓበይቲ ኣእማን ኣቑሙ እሞ፥ ብኖራ ለቕልቕዎ።