3 ኢያሱ ድማ ምስ ኵሎም እቶም ተዋጋእቲ ሰባት ኮይኑ ንጋይ ክወግኣ ተስአ። ሰላሳ ሽሕ ሓያላት ጀጋኑ ሰባት ሓርዩ ድማ ኸምዙይ ኢሉ ኣዚዙ ብለይቲ ሰደዶም።
ሙሴ ድማ ንኢያሱ “ኣጓብዝ ሕረየልና እሞ፥ ወፂእኻ ኸዓ ምስ ኣማሌቃውያን ተዋጋእ። ኣነ ፅባሕ፥ በትሪ እግዚኣብሄር ኣብ ኢደይ ሒዘ ኣብ ርእሲ እቲ እምባ ደው ክብል እየ” በሎ።
ማይ ኣይሂ መፂኡ፥ ንዅሉ ኽሳዕ ዘጥፍእ ዘይፈለጡ፥ ምፅኣት ወዲ ሰብ ከዓ፥ ከምኡ ክኸውን እዩ።
ጐይታ እቲ ኣገልጋሊውን፥ ብዘይ ተፀበያ መዓልትን ብዘይ ፈለጣ ሰዓትን መፂኡ፥
ፍርቂ ለይቲ ምስ ኮነ ‘እንሆ መርዓዊ መፂኡ እዩ እሞ፥ ክትቅበሉ ውፁ!’ ዝብል ዋዕዋዕታን ዕልልታን ኮነ።
ሰራቒ ብለይቲ ኸም ዝመፅእ፥ መዓልቲ ጐይታውን ከምኡ ኸም እትመፅእ፥ ንስኻትኩም ብርግፅ ትፈልጡ ኢኹም እሞ።
ሽዑ ኢያሱን፥ ምስኡ ዝነበሩ ዅሎም ፅኑዓትን ሓያላትን ካብ ጌልገላ ወፁ።
ከምቲ ንኢያሪኮን ንንጉሳን ዝገበርካዮም፥ ንጋይን ንንጉሳን ድማ ኸምኡ ኽትገብሮም ኢኻ። ምርኮኣን ጥሪታን ግና ንኣኻትኩም ውሰድዎ። ብድሕሪ እታ ኸተማ ኸዓ ሕቡእ ደጀን ግበር” በሎ።
“ርአዩ፤ ነታ ኸተማ ብድሕሪኣ ሕቡእ ደጀን ግበሩላ፤ ካብታ ኸተማ እምብዛ ኣይትርሓቑ። ኵልኻትኹም ከዓ ተዳሊኹም ፅንሑ።
መዓልቲ ጐይታ ግና፥ ከም ሰራቒ ኾይና ኽትመፅእ እያ፤ ሽዑ ሰማያት በዓብዪ ድምፂ፥ ጥዋዕዋዕ እናበሉ ኽሓልፉ እዮም፤ ፍጥረት ሰማይውን፥ ብሓዊ ነዲዱ ኽመክኽ እዩ፤ ምድርን፥ ኵሉ ኣብኣ ዘሎ ነገርን፥ ክነድድ እዩ።
ሕዚ ኸዓ፥ ንስኻን እቲ ምሳኻ ዘሎ ህዝብን ብለይቲ ተሲእኹም፥ ኣብ በረኻ ኣድብዩ።