Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




መፅሓፍ ኢያሱ 8:29 - መፅሓፍ ቅዱስ

29 ንንጉስ ጋይ ድማ ኽሳዕ ምሸት ኣብ ኦም ሰቐሎ፤ ፀሓይ ምስ ዓረበት ከዓ፥ ኢያሱ ነቲ ሬሳኡ ኻብ ኦም ከውርድዎ ኣዘዘ፤ ኣብ ኣፍ ደገ እታ ኸተማውን ደርበይዎ። ኣብ ልዕሊኡ ድማ እቲ ኽሳዕ ሎሚ ዘሎ ዓብዪ ጨቝላ እምኒ ጨቈሉላ።

Ver Capítulo Copiar




መፅሓፍ ኢያሱ 8:29
14 Referencias Cruzadas  

ንኣቤሴሎም ድማ ወሲዶም፥ ኣብቲ ኣብ ዱር ዘሎ ዓሚቝ ጕድጓድ ደርበይዎ፤ ኣብ ልዕሊኡ ኸዓ የመና ዓብዪ ዅምራ እምኒ ኾመሩሉ። ኵሎም እስራኤል ድማ ነፍሲ ወከፍ ነናብ ድንኳኖም ሃደሙ።


ሽዑ ንሃማ ኣብቲ ንመርዶክዮስ ክሰቕለሉ ኢሉ ዘዳለዎ ጕንዲ ሰቐልዎ፤ ቍጥዓ ንጉስውን ዘሓለ።


ኣብ ልዕሊ ኣሕሉቖምውን ሓሳር ኣፍሰሰ፤ መንገዲ ብዘይብሉ ምድረ በዳ ኸርተት ኣበሎም።


እግዚኣብሄር ኣብ የማንካ እዩ፤ ብመዓልቲ ቝጥዓኡ ንነገስታት ክቕጥቅጦም እዩ።


ድሕሪዙይ፥ ሽዑ ዓርቢ ናይ ሰንበት ምድላው ስለ ዝነበረ፥ እታ ሰንበት እቲኣ ድማ፥ ክብርቲ በዓል ስለ ዝነበረት፥ እቶም ሬሳታት ኣብ መስቀል ምእንቲ ኸይሓድሩ፥ መምሕዅልቶም ሰቢሮም ንኸውርድዎም፥ መራሕቲ ኣይሁድ ንጲላጦስ ለመንዎ።


ንእግዚኣብሄር ክብሪ ስለ ዘይሃበ ድማ፥ ሽዑ ንሽዑ መልኣኽ እግዚኣብሄር ቀሰፎ፤ ሓሲኹ ኸዓ ሞተ።


እግዚኣብሄር ድማ ንኣኣን ንንጉሳን ኣብ ኢድ እስራኤል ኣሕሊፉ ሃባ። ንኣኣን ኣብኣ ንዘለዉ ዅሎም ሰባትን፥ ሓደ እኳ እንተየትረፉ፥ ብስሕለት ሰይፊ ወቕዑ። ከምቲ ኣብ ንጉስ ኢያሪኮ ዝገበሮ ኣብ ንጉስ ልብናውን ገበረ።


ሽዑ ሆራም ንጉስ ጌዝር ንላኪሶ ኽረድኣ ወፀ፤ ኢያሱ ድማ ንእኡን ንህዝቡን፥ ሓደ እኳ እንተየትረፈ ቐተሎም።


ንጉስ ኢያሪኮ፥ ንጉስ እታ ኣብ ጥቓ ቤቴል ዘላ ጋይ፥


ኣብ ልዕሊኣቶም ድማ እቲ ኽሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ ዘሎ ዓብዪ ጨቝሊ እምኒ ጨቈሉ። ስለዙይ ከዓ ስም እታ ቦታ ኽሳዕ ሎሚ ለሰ ዓኾር ትብሃል ኣላ። እግዚኣብሄር ድማ ኻብ ረስኒ ቝጥዓኡ ተመለሰ።


ንንጉስ ጋይ ከዓ ብህይወቱ እንተሎ ሒዞም ናብ ኢያሱ ኣምፅእዎ።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos