26 ኢያሱ ድማ ዅሎም ደቂ ጋይ ክሳዕ ዝጠፍኡ፥ ነታ ዂናት ዝዘርግሐት ኢዱ ኣይመለሳን።
ኢያሱ ድማ ንኣማሌቃውያን ብስሕለት ሰይፊ ሰዓሮም።
በታ ጊዜ እቲኣ ድማ ንዅለን ከተማታቱ ሓዝናየን፤ ንዅለን ከተማታቱ ምስ ኵሎም ሰብኡትን ኣንስትን ቈልዑን ሓደ እኳ እንተየትረፍና ፈፂምና ኣጥፋእናዮም።
እግዚኣብሄር ድማ ንኢያሱ “ነታ ኸተማ ጋይ ኣብ ኢድካ ኽህበካ እየ እሞ፥ ነቲ ኣብ ኢድካ ዘሎ ዂናት ናብኣ ኣቢልካ ዘርግሓዮ” በሎ። ኢያሱ ኸዓ ነቲ ኣብ ኢዱ ዝነበረ ዂናት ናብታ ኸተማ ኣቢሉ ዘርግሖ።
ሰብ ጊብዓ ከዓ እቲ ኢያሱ ኣብ ኢያሪኮን ኣብ ጋይን ዝገበሮ ምስ ሰምዑ፥