25 እቶም በታ መዓልቲ እቲኣ ዝወደቑ ደቂ ጋይ፥ ካብ ሰብኣይን ካብ ሰበይትን፥ ኵሎም ዓሰርተ ኽልተ ሽሕ ነፍሲ ኾኑ።
እስራኤል ነቶም ኵሎም ደቂ ጋይ ኣብቲ ዘሳጕጉዎም ዝነበሩ ግራውትን ምድረ በዳን ቀቲሎም ምስ ወድኡ፥ ደቂ ጋይ ከዓ ዅሎም ብስሕለት ሰይፊ ምስ ወደቑ፥ ሽዑ ዅሎም ብዘለዉ ደቂ እስራኤል ናብ ጋይ ተመለሱ እሞ፥ ነቶም ህዝባ ብስሕለት ሰይፊ ወቕዕዎም።