24 እስራኤል ነቶም ኵሎም ደቂ ጋይ ኣብቲ ዘሳጕጉዎም ዝነበሩ ግራውትን ምድረ በዳን ቀቲሎም ምስ ወድኡ፥ ደቂ ጋይ ከዓ ዅሎም ብስሕለት ሰይፊ ምስ ወደቑ፥ ሽዑ ዅሎም ብዘለዉ ደቂ እስራኤል ናብ ጋይ ተመለሱ እሞ፥ ነቶም ህዝባ ብስሕለት ሰይፊ ወቕዕዎም።
ደቂ እስራኤል ግና ተዋጊኦም ሰዓርዎ፤ ንምድሩ ኸዓ ኻብ ፈለግ ኣርኖን ክሳዕ ያቦቅ፥ ክሳዕ ወሰን ደቂ ኣሞን ሓዝዎ። ወሰን ደቂ ኣሞን ግና ፅኑዕ ነበረ።
ንንጉስ ጋይ ከዓ ብህይወቱ እንተሎ ሒዞም ናብ ኢያሱ ኣምፅእዎ።
እቶም በታ መዓልቲ እቲኣ ዝወደቑ ደቂ ጋይ፥ ካብ ሰብኣይን ካብ ሰበይትን፥ ኵሎም ዓሰርተ ኽልተ ሽሕ ነፍሲ ኾኑ።
ስለዙይ ካብ ቅድሚ ሰብ እስራኤል ብመንገዲ ምድረ በዳ ኣቢሎም ሃደሙ፤ እቲ ዂናት ግና እግሪ እግሮም ሰዓቦም። እቶም ካብ ከተማታት ዝወፁ ድማ ኣማእኺሎም ቀተልዎም።