22 እቶም ካልኦትውን ካብ ከተማ ናብኣቶም ወፁ። ሽዑ እዚኣቶም በዙይ፥ እቲኣቶም ከዓ በቱይ ስለ ዝኸበብዎም፥ ደቂ ጋይ ኣብ ማእኸል ደቂ እስራኤል ኮኑ። ደቂ እስራኤል ድማ፥ ካብ ህዝቢ ጋይ ሓደኳ እንተየምለጦም ቀተልዎም።
ፈኸራ ኽፉኣት ሰባት ሓፂር፥ ሓጐስ እቲ ሕሱም ከዓ ኸም ቕፅበት ዓይኒ፥ ከም ዝኾነዶ ኣይትፈልጥን ኢኻ?
እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ኣብ ቅድሜኹም ኣሕሊፉ እንትህበኩም እሞ እንትትስዕርዎም፥ ፈፂምኩም ኣጥፍእዎም። ምስኣቶም ኪዳን ኣይትተኣታተዉ፤ ኣይትምሓርዎምውን።
ሰባት “ሰላም እዩ፤ ዘተኣማምን እዩ” ኽብሉ እንተለዉ፥ ከምቲ ንነፍሰ ፁር ሕማም ሕርሲ ዝሕዛ፥ ብድንገት ጥፍኣት ክመፆም እዩ፤ ፈፂሞምውን ከምልጡ ኣይኽእሉን እዮም።
ኢያሱ ድማ በታ መዓልቲ እቲኣ ንማቄዳ ሓዛ፤ ንኣኣን ንንጉሳን ከዓ ብስሕለት ሰይፊ ወቕዐ፤ ንኣኣቶምን ኣብኣ ንዘለዉ ዅሎም ሰባትን፥ ሓደ እኳ እንተየትረፈ፥ ፈፂሙ ኣጥፍኦም። ከምቲ ንንጉስ ኢያሪኮ ዝገበሮ፥ ንንጉስ ማቄዳውን ከምኡ ገበሮ።
ኣብታ ኸተማ ንዝነበረ ዅሉ ኸዓ ኣጥፍእዎ። ካብ ሰብኣይ ክሳዕ ሰበይቲ፥ ካብ ቈልዓ ኽሳዕ ኣረጊት፥ ክሳዕ ብዕራይን በጊዕን ኣድግን ብስሕለት ሰይፊ ኣጥፍእዎ።
ኢያሱን ኵሎም እስራኤልን፥ እቶም ተሓቢኦም ዝነበሩ ተዋጋእቲ ነታ ኸተማ ኸም ዝሓዝዋ፥ ትኪ እታ ኸተማውን ንላዕሊ ኸም ዝወፀ ምስ ረአዩ፥ ተመለሱ እሞ፥ ንህዝቢ ጋይ ቀተልዎም።
ንንጉስ ጋይ ከዓ ብህይወቱ እንተሎ ሒዞም ናብ ኢያሱ ኣምፅእዎ።
ነታ ኸተማ ምስ ሓዝኩምዋ ድማ፥ ከምቲ እግዚኣብሄር ዝበሎ ብሓዊ ኣባርዕዋ፤ እንሆ ኣዚዘኩም ኣለኹ” ኢሉ ሰደዶም።