Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




መፅሓፍ ኢያሱ 8:20 - መፅሓፍ ቅዱስ

20 እቶም ናይ ጋይ ሰባት፥ ንድሕሪኦም ግልፅ እንተ በሉ፥ እንሆ ትኪ ኻብታ ኸተማ ንሰማይ ክወፅእ ረአዩ። ሽዑ ናብዙይ ኮነ ናብቱይ ክሃድሙ ኣይከኣሉን። እቶም ንምድረ በዳ ኣቢሎም ዝሃደሙ ህዝቢ እስራኤል ናብኣቶም ኣቢሎም ተመሊሶም ነበሩሞ።

Ver Capítulo Copiar




መፅሓፍ ኢያሱ 8:20
14 Referencias Cruzadas  

ናብ ሰዶምን ገሞራን ናብ ኵሉ እቲ ጐላጕል ምድርን ኣማዕደወ፤ እንሆ ኻብታ ሃገር ትኪ እቶን ዝመስል ትኪ እንትለዓል ረአየ።


ኣዒንቲ ኽፉኣት ግና ኽፅልምታ እየን፤ ዝሃድሙሉውን ይስእኑ፤ ተስፋኦም ድማ ንነፍሶም ምሕላፍ እዩ።”


ኵሎም ሰነፋት ልቢ ደንገፁ፤ ድቃሶምውን ደቀሱ፤ ኵሎም ሃብታማትውን ኣብ ኢዳቶም ዝኾነ ኣይረኽቡን።


ለይትን መዓልትን እንተይጠፍአ ኽነድድ እዩ። ትካ ንዘለኣለም ክተክኽ፥ እታ ሃገር ንውሉድ ወለዶ ኽትባድም፥ ንዘለኣለም ሓደ እኳ ብኣኣ ኣይሓልፍን እዩ።


ንሱ እዙይ ምስ ገበረ እቶም ተሓቢኦም ዝነበሩ፥ ቀልጢፎም ካብቲ ዝተሓብኡሉ ቦታ ወፂኦም ጐየዩ፤ ነታ ኸተማ ድማ ኣትዮም ሓዝዋ፤ ቀልጢፎምውን ብሓዊ ኣባርዕዋ።


ኢያሱን ኵሎም እስራኤልን፥ እቶም ተሓቢኦም ዝነበሩ ተዋጋእቲ ነታ ኸተማ ኸም ዝሓዝዋ፥ ትኪ እታ ኸተማውን ንላዕሊ ኸም ዝወፀ ምስ ረአዩ፥ ተመለሱ እሞ፥ ንህዝቢ ጋይ ቀተልዎም።


“እቶም ምስኣ ዝመንዘሩን ዝሓንቀቑን ነገስታት ምድሪ ኸዓ፥ ነቲ ኽትነድድ እንተላ ተውፅኦ ዝነበረት ትኪ ሪኦም፥ ክበኽዩላን ከልቅሱላን እዮም።


መሊሶም ከዓ፥ “ሃሌ ሉያ! ንዘለኣለመ ኣለም ትካ ንላዕሊ ይወፅእ” እናበሉ፥ ዓው ኢሎም ድምፂ ኣስምዑ።


ደቂ እስራኤል ካብታ ኸተማ ብርቱዕ ትኪ ኸም ዝለዓል ክገብሩ ምስቶም ዝተሓብኡ ተዋጋእቲ ተሰማሚዖም ነበሩ።


እቲ ምልክት፥ በቲ ዓምዲ ትኪ፥ ካብታ ኸተማ ኽዓርግ ምስ ጀመረ፥ ደቂ ብንያም ንድሕሪኦም ግልፅ እንተ በሉ፥ እንሆ ኻብ ኵላ እታ ኸተማ ሃልሃልታ ንሰማይ ይዓርግ ነበረ።


ሽዑ ደቂ እስራኤል ገፆም መለሱ፤ ሰብ ብንያም ከዓ ጥፍኣቶም ከም ዝበፅሐ ረአዩ እሞ ተሸበሩ።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos