Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




መፅሓፍ ኢያሱ 8:18 - መፅሓፍ ቅዱስ

18 እግዚኣብሄር ድማ ንኢያሱ “ነታ ኸተማ ጋይ ኣብ ኢድካ ኽህበካ እየ እሞ፥ ነቲ ኣብ ኢድካ ዘሎ ዂናት ናብኣ ኣቢልካ ዘርግሓዮ” በሎ። ኢያሱ ኸዓ ነቲ ኣብ ኢዱ ዝነበረ ዂናት ናብታ ኸተማ ኣቢሉ ዘርግሖ።

Ver Capítulo Copiar




መፅሓፍ ኢያሱ 8:18
14 Referencias Cruzadas  

ክፃረሮ ኢሉ ኢዱ ኣብ ልዕሊ እግዚኣብሄር ይዝርግሕ፤ ነቲ ዅሉ ዝኽእል ኣምላኽውን ይተሃላለኾ።


ኣብ ዝባኑ ናይ ፍላፃ ጕልድባ፥ ብልጭልጭ ዝብል ኲናትን ስሕለትን ጭዋሕዋሕ ይብል።


ንስኻ ድማ በትርኻ ብኢድካ ኣልዒልካ፥ ናብ ልዕሊ ባሕሪ ዘርግሓያ፤ ኽፈሎውን። ደቂ እስራኤል ድማ ብማእኸል ባሕሪ ብንቑፅ ይሕለፉ።


እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዙይ በሎ፦ “ናብ ፈርዖን ኬድካ ‘ከገልግሉኒ ንህዝበይ ስደዶም።


እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ “ንኣሮን፥ ‘በትርኻ ሒዝካ ናብ ልዕሊ ወሓይዝትን መስኖታትን ቀላያትን፥ ኢድካ ዘርግሕ፤ ንሃገር ግብፂ ድማ ጭንቍራዕ ከም ዝመልኦ ግበር’ ኢልካ ንገሮ” በሎ።


ንቐላፅም ንጉስ ባቢሎን ከበርትዐን እየ፤ ቀላፅም ፈርዖን ግና ዘርጋሕ ኢለን ክወድቃ እየን፤ ንሰይፈይ ኣብ ኢድ ንጉስ ባቢሎን ምስ ኣትሓዝክዎ፥ ንሱውን ኣብ ምድሪ ግብፂ ማሕማሕ ምስ ኣበሎ፥ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ክፈልጡ እዮም።


ኣብ ጋይን ኣብ ቤቴልን ደድሕሪ እስራኤል ክስዕብ ዘይወፀ ሰብ ኣይነበረን። ነታ ኸተማ ብኽፍትታ ሓዲጎምዋ፥ ደድሕሪ እስራኤል ሰዓቡ።


ንሱ እዙይ ምስ ገበረ እቶም ተሓቢኦም ዝነበሩ፥ ቀልጢፎም ካብቲ ዝተሓብኡሉ ቦታ ወፂኦም ጐየዩ፤ ነታ ኸተማ ድማ ኣትዮም ሓዝዋ፤ ቀልጢፎምውን ብሓዊ ኣባርዕዋ።


ኢያሱ ድማ ዅሎም ደቂ ጋይ ክሳዕ ዝጠፍኡ፥ ነታ ዂናት ዝዘርግሐት ኢዱ ኣይመለሳን።


ንስኻትኩም ድማ፥ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ነታ ኸተማ ኣብ ኢድኩም ኣሕሊፉ ኽህበኩም እዩ እሞ፥ ካብቲ ዝተሓባእኹምሉ ወፂእኹም ነታ ኸተማ ሓዝዋ።


እቲ ፍልስጥኤማዊውን ናብ ዳዊት ቐረበ። እቲ ዋልታኡ ዝፀውር ሰብኣይ ድማ ቐቅድሚኡ ይኸይድ ነበረ።


ዳዊት ከዓ ነቲ ፍልስጥኤማዊ፦ “ንስኻ ብሰይፍን ብዂናትን ብመዝረቕን ትመፀኒ ኣለኻ። ኣነ ግና ብስም እቲ ዅሉ ዝኽእል እግዚኣብሄር፥ በቲ ንስኻ እተባጭወሉ ዘለኻ ኣምላኽ ሰራዊት እስራኤል፥ እመፀካ ኣለኹ።


ኣብ ኣእጋሩ ድማ ብነሃስ ዝተሰርሐ ገምባለ ነበሮ፤ ኣብ መንጎ ማእገሩ ኸዓ ብነሃስ ዝተሰርሐ መዝረቕ ነበሮ።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos