16 ሽዑ ኣብታ ኸተማ ዝነበሩ ዅሎም ህዝቢ፥ ከሳጕጉዎም ተፀውዑ፤ ንኢያሱ ድማ ኣሳጎጕዎ፤ ካብታ ኸተማ ኸዓ ኸም ዝርሕቑ ገበርዎም።
እግዚኣብሄር ቅኑዕ ብምፍራድ ዝተፈለጠ እዩ፤ ሓጥእ ብግብሪ ኣእዳዉ ተትሓዘ።
ኣብ ጋይን ኣብ ቤቴልን ደድሕሪ እስራኤል ክስዕብ ዘይወፀ ሰብ ኣይነበረን። ነታ ኸተማ ብኽፍትታ ሓዲጎምዋ፥ ደድሕሪ እስራኤል ሰዓቡ።
እዚኣቶም ምልክት ዝገብሩ፥ ናይ ኣጋንንቲ መናፍስቲ እዮም። ንሳቶም፥ በታ ዓባይ መዓልቲ ናይቲ ዅሉ ዝኽእል እግዚኣብሄር፥ ንኽዋግኡ ከኽትትዎም፥ ናብ ነገስታት ኵሉ ዓለም ዝኸዱ እዮም።
እቶም ደቂ ብንያም ድማ ነቲ ህዝቢ ኽዋግእዎ ኻብታ ኸተማ ስዒቦም ወፁ። ኣብተን ክልተ መንገዲ፥ ኣብታ ንቤቴል ኣቢላ እተድይብን፥ ኣብታ ንበረኻ ገባዖን እትወስድን፥ ከምተን ቀዳሞት ጊዜያት ነቲ ህዝቢ ኽወቕዕዎን ክቐትልዎን ጀመሩ፤ ካብ ደቂ እስራኤል ድማ ሰላሳ ዝኾኑ ሰባት ቀተሉ።