15 ኢያሱን ኵሎም እስራኤልን ከዓ፥ ኣብ ቅድሚኣቶም ከም ዝተስዓሩ መሲሎም ብመንገዲ ምድረ በዳ ሃደሙ።
ኣብ በረኻ ቤትዓረባ ሚዲን ስካካ፥
እቲ ንደቂ ዮሴፍ ብዕፃ ዝበፅሖም ርስቲ ድማ ኻብ ዮርዳኖስ ጥቓ ኢያሪኮ፥ ብወገን ምብራቑ ንማይ ኢያሪኮ፥ ካብ ኢያሪኮ ድማ በቲ ናብ ደጕዓ ቤቴል ዘድይብ ምድረ በዳ ወፀ።
እቲ ወሰኖም ብወገን ሰሜን ካብ ፈለግ ዮርዳኖስ ይጅምር፤ ብሰሜናዊ ፀግዒ ኢያሪኮ ደዪቡ፤ ንምዕራብ ወገን ኣቢሉ በቲ ዀረብታታት ሓሊፉ ናብ ምድረ በዳ ቤትኣዌን ይሓልፍ።
ናይ ጋይ ንጉስ እዙይ ምስ ረአየ፥ ንሱን ሰብ እታ ኸተማን ቀልጢፎም ኣንጊሆም ተስኡ እሞ፥ በቲ ዝተወሰነ ጊዜ ንእስራኤል ክወግእዎም ናብ ቅድሚ እቲ ዓረባ ወፁ። ብድሕሪ እታ ኸተማ ሕቡእ ሓይሊ ኸም ዘሎ ግና ኣይፈለጡን ነበሩ።
ደቂ ብንያም ከዓ ኸም ዝተስዓሩ ረአዩ። ደቂ እስራኤል በቲ ኣብ ገባዖን ዘንበርዎ ሕቡእ ጦር ስለ ዝተኣማመኑ ንደቂ ብንያም ረሓቑሎም።
ስለዙይ ካብ ቅድሚ ሰብ እስራኤል ብመንገዲ ምድረ በዳ ኣቢሎም ሃደሙ፤ እቲ ዂናት ግና እግሪ እግሮም ሰዓቦም። እቶም ካብ ከተማታት ዝወፁ ድማ ኣማእኺሎም ቀተልዎም።