Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




መፅሓፍ ኢያሱ 8:14 - መፅሓፍ ቅዱስ

14 ናይ ጋይ ንጉስ እዙይ ምስ ረአየ፥ ንሱን ሰብ እታ ኸተማን ቀልጢፎም ኣንጊሆም ተስኡ እሞ፥ በቲ ዝተወሰነ ጊዜ ንእስራኤል ክወግእዎም ናብ ቅድሚ እቲ ዓረባ ወፁ። ብድሕሪ እታ ኸተማ ሕቡእ ሓይሊ ኸም ዘሎ ግና ኣይፈለጡን ነበሩ።

Ver Capítulo Copiar




መፅሓፍ ኢያሱ 8:14
15 Referencias Cruzadas  

ሰብ ነታ ጊዜኡ ኣይፈልጣን እዩሞ፥ ከምቶም ብኽፉእ መርበብ ዝተገፉ ዓሳታት፥ ከምተን ብመፈንጠር ዝተትሓዛ ኣዕዋፍ፥ ከምኡ ኸዓ ደቂ ሰብ ኣብ ክፉእ ጊዜ ድንገት እንትወርዶም እዮም ብመፈንጠር ዝተሓዙ።


መሳፍንቲ ጣኔዎስ የመና ሰነፋት እዮም፤ እቶም ጥበበኛታት መማኽርቲ ፈርዖን ከዓ፥ ምኽሮም ድንቍርና ኾይኑ። ከመይ ኢልኩም ደኣ ንፈርዖን “ንሕና ደቂ ጥበበኛታት፥ ደቂ ዘርኢ እቶም ናይ ቀደም ነገስታት ኢና” እትብልዎ?


ኣሕሉቕ ጣኔዎስ ሰነፋት እዮም፤ መሳፍንቲ ሜምፎስ ከዓ ተጠበርቲ እዮም፤ እቶም እምኒ መኣዝን ዓሌታት ንግብፂ ኣጋገይዋ።


እዝ ቓላት እዙይ ገና ኣብ ኣፍ ንጉስ እንተሎ፥ ከምዙይ ዝብል ድምፂ ኻብ ሰማይ መፀ፦ “ኦ ንጉስ ናቡከደነፆር፥ ንኣኻ ተነጊሩካ እዩ፤ መንግስቲ ኻባኻ ተወሲዳ እያ።


ማይ ኣይሂ መፂኡ፥ ንዅሉ ኽሳዕ ዘጥፍእ ዘይፈለጡ፥ ምፅኣት ወዲ ሰብ ከዓ፥ ከምኡ ክኸውን እዩ።


ጐይታ እቲ ኣገልጋሊውን፥ ብዘይ ተፀበያ መዓልትን ብዘይ ፈለጣ ሰዓትን መፂኡ፥


ሙሴ፥ ኵሎም ደቂ እስራኤል ኣብ ምብራቕ ፈለግ ዮርዳኖስ ኣብ ዘሎ ምድረ በዳ እንተለዉ ዝነገሮም ቃል እዙይ እዩ። ንሳቶም ኣብ ጥቓ ሱፍ ዝበሃል ቦታ ኣብ ዘሎ ምድረ በዳ፥ ኣብ መንጎ ፋራንን ቶፌልን ላባንን ሓፃሮትን ዲዛሃብን ዘሎ ጐልጐል ነበሩ።


ንዅሉ እቲ ህዝቢ፥ ነቲ ብሰሜን እታ ኸተማ ዝነበረ ዅሉ ጭፍራን ነቶም ብምዕራብ እታ ኸተማ ዝነበሩ ሕቡኣቱን ከምኡ ኣስፈርዎም፤ ኢያሱ ኸዓ በታ ለይቲ እቲኣ ናብ ማእኸል እቲ ለሰ ኸደ።


ኢያሱን ኵሎም እስራኤልን ከዓ፥ ኣብ ቅድሚኣቶም ከም ዝተስዓሩ መሲሎም ብመንገዲ ምድረ በዳ ሃደሙ።


ሽዑ ኣብታ ኸተማ ዝነበሩ ዅሎም ህዝቢ፥ ከሳጕጉዎም ተፀውዑ፤ ንኢያሱ ድማ ኣሳጎጕዎ፤ ካብታ ኸተማ ኸዓ ኸም ዝርሕቑ ገበርዎም።


ኣነን እቲ ምሳይ ዘሎ ዅሉ ህዝብን ድማ፥ ናብታ ኸተማ ኽንፅጋዕ ኢና። ከምቲ ናይ ቀዳማይ ክዋግኡና ምስ ወፁ፥ ካብ ቅድሚኣቶም ክንሃድም ኢና።


ንሳቶም ስሱዓት ስለ ዝኾኑ፥ ብዘረባ እናጠበሩ መናገዲ ኽገብሩኹም እዮም። ካብ ቀደም ፍርዶም ተዳልዩ እዩ፤ ጥፍኣትውን ብርግፅ ይፅበዮም ኣሎ።


እቶም ሕቡኣት ተዋጋእቲ ድማ ብጕያ ናብ ገባዖን ጥሒሶም ኣትዮም፥ ንህዝቢ እታ ኸተማ ብስሕለት ሰይፊ ወድእዎም።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos