13 ንዅሉ እቲ ህዝቢ፥ ነቲ ብሰሜን እታ ኸተማ ዝነበረ ዅሉ ጭፍራን ነቶም ብምዕራብ እታ ኸተማ ዝነበሩ ሕቡኣቱን ከምኡ ኣስፈርዎም፤ ኢያሱ ኸዓ በታ ለይቲ እቲኣ ናብ ማእኸል እቲ ለሰ ኸደ።
ኣስታት ሓሙሽተ ሽሕ ሰባት ወሲዱ፥ ኣብ መንጎ ቤቴልን ጋይን ብምዕራብ እታ ኸተማ ሕቡእ ደጀን ገይሩ ኣንበሮም።
ናይ ጋይ ንጉስ እዙይ ምስ ረአየ፥ ንሱን ሰብ እታ ኸተማን ቀልጢፎም ኣንጊሆም ተስኡ እሞ፥ በቲ ዝተወሰነ ጊዜ ንእስራኤል ክወግእዎም ናብ ቅድሚ እቲ ዓረባ ወፁ። ብድሕሪ እታ ኸተማ ሕቡእ ሓይሊ ኸም ዘሎ ግና ኣይፈለጡን ነበሩ።
ነታ ኸተማ ምስ ሓዝኩምዋ ድማ፥ ከምቲ እግዚኣብሄር ዝበሎ ብሓዊ ኣባርዕዋ፤ እንሆ ኣዚዘኩም ኣለኹ” ኢሉ ሰደዶም።