12 ኣስታት ሓሙሽተ ሽሕ ሰባት ወሲዱ፥ ኣብ መንጎ ቤቴልን ጋይን ብምዕራብ እታ ኸተማ ሕቡእ ደጀን ገይሩ ኣንበሮም።
ካብኡ ናብቲ ኣብ ምብራቕ ቤቴል ዘሎ እምባ ተጕዓዘ፤ ኣብኡ ድማ ድንኳኑ ተኸለ እሞ፥ ቤቴል ብወገን ምዕራቡ፥ ጋይ ከዓ ብወገን ምብራቑ ኾና። ኣብኡ ኸዓ ንእግዚኣብሄር መስዋእቲ ዘቕርበሉ መሰውኢ ሰርሐ፤ ስም እግዚኣብሄርውን ፀውዐ።
ስም እታ ኸተማ ቕድም ሎዛ ይበሃል ነበረ። ያእቆብ ግና “ቤቴል” ኢሉ ሰመያ።
እቲ ምስኡ ዝነበረ ዅሉ ተዋጋኢ ህዝቢ እውን ደየበ፤ ቀሪቦም ከዓ ናብ መንፅር እታ ኸተማ መፂኦም፥ ብሰሜን ጋይ ሰፈሩ። ኣብ መንጎኡን ኣብ መንጎ ጋይን ከዓ ለሰ ነበረ።
ንዅሉ እቲ ህዝቢ፥ ነቲ ብሰሜን እታ ኸተማ ዝነበረ ዅሉ ጭፍራን ነቶም ብምዕራብ እታ ኸተማ ዝነበሩ ሕቡኣቱን ከምኡ ኣስፈርዎም፤ ኢያሱ ኸዓ በታ ለይቲ እቲኣ ናብ ማእኸል እቲ ለሰ ኸደ።
ቤት ደቂ ዮሴፍ ከዓ ናብ ቤቴል ደየቡ፤ እግዚኣብሄር ድማ ምስኣቶም ነበረ።
ሳኦል ድማ ናብ ከተማ ኣማሌቃውያን ከደ፤ ኣብ ለሰ ኸዓ ተሓብአ።