11 እቲ ምስኡ ዝነበረ ዅሉ ተዋጋኢ ህዝቢ እውን ደየበ፤ ቀሪቦም ከዓ ናብ መንፅር እታ ኸተማ መፂኦም፥ ብሰሜን ጋይ ሰፈሩ። ኣብ መንጎኡን ኣብ መንጎ ጋይን ከዓ ለሰ ነበረ።
ኢያሱ ድማ ኣንጊሁ ተስአ፤ ነቲ ህዝቢ ኣሰሊፉ ኸዓ፥ ምስ ዓበይቲ እስራኤል ቀቅድሚ እቲ ህዝቢ ናብ ጋይ ደየበ።
ኣስታት ሓሙሽተ ሽሕ ሰባት ወሲዱ፥ ኣብ መንጎ ቤቴልን ጋይን ብምዕራብ እታ ኸተማ ሕቡእ ደጀን ገይሩ ኣንበሮም።