1 እግዚኣብሄር ድማ ንኢያሱ “ኣይትፍራሕ፥ ኣይትደንግፅ። ተዋጋእቲ ዝኾኑ ሰባት ውሰድ፤ ደይብ እሞ ንጋይ ውግኣያ። ረአ፤ ኣነ ንንጉስ ጋይን ንህዝቡን ንኸተማኡን ንሃገሩን ኣሕሊፈ ኣብ ኢድካ ሂበካ ኣለኹ።
እግዚኣብሄር ብርሃነይን መድሓኒተይን እዩ፤ ዘፍርሐኒ ደኣ መን እዩ? እግዚኣብሄር ንህይወተይ መተኣማመመኒኣ እዩ፤ ዘደንግፀኒኸ መን እዩ?
ፈቲኻዮም ኢኻሞ፥ የማናይ ኢድካን ብርሃን ገፅካን እዩ እምበር፥ ብሰይፎም ንምድሪ ኣይወረሱን፤ ቅልፅሞምውን ኣየድሓኖምን፤
ጐይታ ሰራዊት ምሳና እዩ፤ ኣምላኽ ያእቆብ መፀግዒና እዩ።
እንሆ ኣምላኸይ መድሓኒየይ እዩ፤ ብእኡ እእመን፥ ኣይፈርሕንውን እየ፤ እግዚኣብሄር ኣምላኽ፥ ሓይለይን መዝሙረይን እዩሞ፥ ንሱ መድሓኒተይ ኮነ ኽትብል ኢኻ።
ብውሽጢ ማያት እንትትሓልፍ፥ ምሳኻ ክኸውን እየ፤ ብውሕጅ እንትትሳገር፥ ኣየስጥመካን እዩ፤ ብማእኸል ሓዊ እንተ ኸድካ ኸዓ፥ ኣየንድደካን እዩ፤ እቲ ነበልባሉውን ኣየቃፅለካን እዩ።
“እምበኣርከስ ኣታ ኣገልጋሊየይ ያእቆብ፥ ኣይትፍራሕ፤ ህዝቢ እስራኤልውን፥ ኣይትሸበር፤ እንሆ ንኣኻ ኻብ ርሑቕ፥ ካብታ ዘርእኻ ዝተማረኸላ ሃገር ከድሕነኩም እየ። ያእቆብውን ተመሊሱ ብሰላምን ብርግዓትን ክቕመጥ እዩ፤ ዝኾነ ዘፍርሖውን ኣይህሉን።
ኣቲ ሓሴቦን፥ ጋይ ፈሪሳ እያ እሞ፥ ኣእውዪ። ኣትን ኣዋልድ ረባት፥ ከሊ ተዓጠቓ፥ ዋይ ዋይ በላ። ሚልኮም ምስ ካህናቱን ኣሕሉቑን ሓቢሩ ኽማረኽ እዩ እሞ፥ ኣብቲ መካበብያ እናዞርክን ኣልቅሳ።
ንሱ ንዘመናትን ወርሓትን ይለዋውጥ፤ ንነገስታት ይስዕር፤ ንነገስታት ከዓ ይሸይም። ነቶም ጠቢባን ጥበብ፥ ነቶም መስተውዓልቲ ኸዓ ፍልጠት ይህቦም።
እቲ ልዑል ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ሰብ፥ ስልጣን ከም ዘለዎ፥ ንዝደለዮ ኸዓ ኸም ዝህቦ፥ ክሳዕ እትፈልጥ፥ ሸውዓተ ዓመት ካብ ሰብ ተፈሊኻ ክትስጐጕ፥ ምስ እንስሳ በረኻ ኽትነብር ኢኻ፤ ከም እንስሳ ኸዓ ሳዕሪ ኽትበልዕ ኢኻ፤ ብኣውሊ ሰማይ ድማ ኽትጥልቂ ኢኻ።
እቶም ኣብ ምድሪ ዝነብሩ ዅሎም፥ ብእኡ ኸም ኢምንት ይቝፀሩ፤ ንሱ ኣብ ሰራዊት ሰማይን ኣብቶም ኣብ ምድሪ ዝነብሩን ከም ፍቓዱ ይገብር። ንኢዱ ክኽልክላ፥ ወይ ‘ስለ ምንታይ እዙይ ትገብር?’ ክብሎ ዝኽእልውን የለን።
ንሱ ኸዓ፥ “ኣቱም እምነት ዝጐደለኩም! ንምንታይ ትፈርሑ?” በሎም። ሽዑ ተሲኡ ንንፋስን ንባሕርን ገሰፆም እሞ፥ ዓብዪ ህድኣት ኮነ።
እንሆ፥ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እዛ ምድሪ እዚኣ ሃበኩም፤ ከምቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦታትኩም ዝበለኩም ድማ ደይብኩም ውረስዋ፤ ኣይትፍርሑ፤ ኣይትሸበሩ’ በልኩኹም።
እግዚኣብሄር ቀቅድሜኻ ክኸይድ እዩ፤ ምሳኻ ክኸውን እዩ፤ ኣይጠልመካን እዩ፤ ኣይሓድገካንውን እዩ። ስለዙይ ኣይትፍራሕ፤ ኣይትደንግፅ” በሎ።
ኣይትፍርሕዎም፤ እቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ኣብ ፈርዖንን ኣብ ኵላ ግብፅን ዝገበሮ ዘክሩ።
እቲ ዓቢይን ዝፍራሕን እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ኣብ ማእኸልኩም እዩሞ፥ ንኣኣቶም ኣይትፍርሑ።
ፅናዕ፤ ትባዕ፥ ኢለዶ ኣይኣዘዝኩኻን? ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኣብ ኵሉ እትኸዶ ምሳኻ እየ እሞ፥ ኣይትፍራሕ፤ ኣይትደንግፅ ኢለዶ ኣይኣዘዝኩኻን?”
ሽዑ ኢያሱን፥ ምስኡ ዝነበሩ ዅሎም ፅኑዓትን ሓያላትን ካብ ጌልገላ ወፁ።
እግዚኣብሄር ድማ ንኢያሱ፥ “ኣብ ኢድካ ኣሕሊፈ ሂበዮም ኣለኹ፤ ካብኣቶም ሓደ ሰብ እኳ ዝቃወመካ የለንሞ፥ ኣይትፍርሓዮም” በሎ።
ንኢያሱ ድማ “እግዚኣብሄር ብሓቂ ንዅላ እታ ሃገር ኣብ ኢድና ኣሕሊፉ ሂቡና ኣሎ፤ ኵሎም እቶም ኣብታ ሃገር ዝነብሩ ኸዓ ብምምፃእና ፈሪሖም ይርዕዱ ኣለዉ” በልዎ።
እግዚኣብሄር ድማ ንኢያሱ ኸምዙይ በሎ፦ “ረአ! ንኢያሪኮን ንንጉሳን ነቶም ሓያላት ጀጋኑኣን ኣብ ኢድካ ሂበካ ኣለኹ።
ከነዓናውያንን ኣብታ ሃገር ዝነብሩ ዅሎምን ነዙይ ሰሚዖም ክኸቡና እዮም፤ ስምና ድማ ኻብ ምድሪ ኸጥፍኡ እዮም። ነቲ ዓብዪ ስምካ ደኣ እትገብሮ እንታይ እዩ?” በለ።