9 ከነዓናውያንን ኣብታ ሃገር ዝነብሩ ዅሎምን ነዙይ ሰሚዖም ክኸቡና እዮም፤ ስምና ድማ ኻብ ምድሪ ኸጥፍኡ እዮም። ነቲ ዓብዪ ስምካ ደኣ እትገብሮ እንታይ እዩ?” በለ።
ኦ ጐይታ፥ ንኣና ኣይኮነን፤ ንኣና ኣይኮነን፤ ግና ስለ ምሕረትካን ስለ ሓቅኻን ኢልካ፥ ንስምካ ምስጋና ሃብ።
ኦ ኣምላኽ፥ ከም ስምካ፥ ከምኡውን ክሳዕ ወሰን ምድሪ ምስጋናኻ እዩ። የማንካ ፅድቂ ዝመልአት እያ፤
ኦ ኣምላኽናን መድሓኒናን፥ ርድአና፤ ምእንቲ ኽብሪ ስምካ ኢልካ፥ ኦ ጐይታ ኣናግፈና፤ ሓጢኣትናውን ይቕረ በለልና።
“ስም እስራኤል ደጊም ከይዝከርስ፥ ንዑ፥ ካብ ኣህዛብ ነጥፍኣዮም” በሉ።
ሓቢሮም ኣብ ልዕሌኻ ተማኸሩ፤ ኣብ ልዕሌኻውን ኣሻረዉ፤ ቃል ኪዳን ተኣታተዉ።
ስለ ምንታይከ ግብፃውያን ‘ኣብ እምባታት ምእንቲ ኽቐትሎም፥ ካብ ገፅ ምድሪ እውን ፈፂሙ ምእንቲ ኸጥፍኦም እዩ ዘውፅኦም’ ኢሎም ዝዛረቡ? ካብቲ ብርቱዕ ቝጥዓኻ ደኣ ተመለስ፤ ካብቲ ኣብ ልዕሊ ህዝብኻ ኽተውርዶ ዝሓሰብካዮ መዓት ድማ ተመለስ።
ግናኸ እዙይ ዝገበርክዎ፥ ምእንቲ ስመይ ኣብ ቅድሚ እቶም ኣብ ማእኸሎም ዝነበሩ እሞ፥ ኣነ ንኣኣቶም ካብ ምድሪ ግብፂ ብምውፅአይ ኣብ ቅድሚኣቶም እተፈለጥኩሎም ህዝብታት ስመይ ከይረክስ ኢለ እየ ዝገበርክዎ።
እቶም ኣገልገልቲ እግዚኣብሄር ካህናት፥ ኣብ መንጎ ኣዳራሽን መሰውእን እናበኸዩ፦ ኦ እግዚኣብሄር፥ ንህዝብኻ ራህርሀሉ፤ ነቲ ርስትኻ፥ ኣህዛብ መመሰሊ ኽገብርዎ፥ ንመላገፂ ኣሕሊፍካ ኣይትሃቦ፤ ስለ ምንታይከ ኣብ ማእኸል ኣህዛብ፥ ኣምላኾም ኣበይ ኣሎ? ዝበሃሉ ይበሉ።
ሽዑ እታ “እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኣበይ ኣሎ?” ዝበለት ፀላኢተይ ክትሪኦን፥ ሕፍረትውን ክትክደንን እያ። ኣዒንተይ ክሪኣኣ እየን፤ ሕዚ ኸም ጭቃ መንገዲ ኽትርገፅ እያ።
ሙሴ ኸዓ ንእግዚኣብሄር ከምዙይ በሎ፦ “ንስኻ ነዝ ህዝቢ እዙይ ካብ ማእኸል ግብፃውያን ብሓይልኻ ኣውፂእኻዮ ኢኻሞ። ግብፃውያን እዙይ ምስ ሰምዑ፥
ኦ ኣቦ! ንስምካ ኣኽብሮ” ሽዑ ኻብ ሰማይ “ኣነ ኣኽቢረዮ ኣለኹ፤ ደጊመውን ከኽብሮ እየ” ዝብል ድምፂ መፀ።
እንተ ዘይኮኑ፥ ግብፃውያን፥ ‘ናብታ እግዚኣብሄር ዘተስፈዎም ሃገር ከእትዎም ስለ ዘይከኣለን ስለ ዝፀልኦምን ምእንቲ ኣብ ምድረ በዳ ኽቐትሎም ኣውፅኦም’ ክብሉ እዮም።
እግዚኣብሄር ድማ ንኢያሱ ኸምዙይ በሎ፦ “ተስእ! ስለ ምንታይ ከምዙይ ብግምባርካ እትድፋእ?
ኦ ጐይታ! ህዝቢ እስራኤል ዝባኖም ናብ ገፅ ፀላእቶም መሊሶም ካብ ሃደሙስ እንታይ ክብል እየ?
እግዚኣብሄር ህዝቡ ኽገብረኩም ፈትዩ እዩ። ስለዙይ እግዚኣብሄር ምእንቲ እቲ ዓብዪ ስሙ ኢሉ ንኣኻትኩም ንህዝቡ ኣይሓድገኩምን እዩ።