Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




መፅሓፍ ኢያሱ 7:7 - መፅሓፍ ቅዱስ

7 ኢያሱ ድማ “ኦ እግዚኣብሄር ኣምላኽ! ስለ ምንታይ ንፈለግ ዮርዳኖስ ኣሳገርካና? ስለ ምንታይከ ምእንቲ ኸጥፍኡና ናብ ኢድ ኣሞራውያን ኣሕሊፍካ ሃብካና? ኣብ ማዕዶ ዮርዳኖስ ተቐሚጥና እንተ ንኸውንዶ ኣይምሐሸን?

Ver Capítulo Copiar




መፅሓፍ ኢያሱ 7:7
19 Referencias Cruzadas  

ሽዑ እቲ ንጉስ እስራኤል “እግዚኣብሄር ንኣና ንሰለስተ ነገስታት ኣብ ኢድ ሞኣብ ኣሕሊፉ ምእንቲ ኽህበና ድዩ ናብዙይ ዝፀውዐና!” በለ።


ካብ ድንጋፀ ዝተልዓለውን፥ ኵሉ ሰብ ሓሳዊ እዩ በልኩ።


ኣስዒቦም ከዓ “እቲ ኣብ ጥቓ ስጋ ዝመልአ ቝራዕ ኮፍ ኢልና እንትንበልዕ፥ ዝደለናዮ እንጀራ በሊዕና ኸዓ ኽንፀግብ እንተለና፥ ብኢድ እግዚኣብሄር ኣብ ግብፂ እንተንመውት ምሐሸና። ንስኻትኩም ግና ንዅልና ብጥሜት ክትቀትሉና፥ ናብዝ በረኻ እዙይ ኣውፃእኹምና” በልዎም።


እቶም ህዝቢ ድማ ኣብኡ ማይ ፀሚኦም፥ “ስለ ምንታይ ኢኻ ንሕናን ደቅናን እንስሳናን ብፅምኢ ኽንመውት ካብ ግብፂ ዘውፃእኻና?” ኢሎም ኣብ ልዕሊ ሙሴ ኣጕረምረሙ።


‘እግዚኣብሄር ነዞም ህዝቢ እዚኣቶም ናብታ ዝመሓለሎም ምድሪ ኸእትዎም ስለ ዘይከኣለ፥ ኣብ በረኻ ኣጥፍኦም’ ኢሎም ክዛረቡ እዮም።


ንሕና ኣብ ውግእ ክንመውት፥ ኣንስትናን ደቅናን ከዓ ኽማረኹ፥ ንምንታይ እግዚኣብሄር ናብዛ ምድሪ እዚኣ ኣእተወና! ናብ ግብፂ እንተንምለስዶ ኣይምሕሸናን?”


ኢየሱስ መሊሱ “ኣታ ዘይትኣምን ቀይናን ትውልዲ፥ ክሳዕ መኣዝ ምሳኻትኩም ክነብር እየ? ክሳዕ መኣዝከ ኽዕገሰኩም እየ? ናብዙይ ናባይ ኣምፅእዎ” በሎም።


ኢየሱስ ከዓ “ብጕድለት እምነትኩም እዩ፤ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ፥ ክንዲ ፍረ ኣድሪ እትኣክል እምነት እንተ ሃልያትኩም፥ ነዝ እምባ እዙይ ‘ካብዙይ፥ ናብቱይ ተልዓል!’ እንተ በልኩምዎ ይለዓል፤ ዘይከኣለኩም ነገርውን የለን።


እቲ ኸም ውሉድ ገይሩ፥ ከምዙይ ኢሉ ዝምዕደኩም ቃል፥ ረሲዕኹምዎ ዲኹም? “ወደይ ተግሳፅ ጐይታ ኣይተቃልል፤ እንተ ቐፅዐካውን ተስፋ ኣይትቝረፅ፤


ኢያሱውን ክዳኑ ቐደደ፤ ንሱን ዓበይቲ እስራኤልን ድማ፥ ኣብ ኣራእሶም ሓመድ ነስኒሶም፥ ኣብ ቅድሚ ታቦት እግዚኣብሄር ብገፆም ናብ ምድሪ ተደፍኡ፤ ክሳዕ ምሸትውን ፀንሑ።


ኦ ጐይታ! ህዝቢ እስራኤል ዝባኖም ናብ ገፅ ፀላእቶም መሊሶም ካብ ሃደሙስ እንታይ ክብል እየ?


ደቂ እስራኤል ከዓ ደዪቦም ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክሳዕ ምሸት ብኽይ ወዓሉ። ንእግዚኣብሄር ድማ፦ “መሊስናዶ ምስ ኣሕዋትና ደቂ ብንያም ውግእ ክንገጥም?” ኢሎም ጠየቕዎ። እግዚኣብሄር ከዓ “እወ፥ ኣብ ልዕሊኣቶም ደይቡ” በሎም።


እቶም ተዋጋእቲ ናብ ሰፈሮም ምስ ተመለሱ፥ እቶም ዓበይቲ እስራኤል፥ “ስለ ምንታይ ኮን እዩ እግዚኣብሄር ሎሚ ኣብ ቅድሚ ፍልስጥኤማውያን ከም እንሰዓር ዝገበረና? እምበኣር ኣብ ማእኸልና ኾይኑ ኻብ ኢድ ፀላእትና ምእንቲ ኸድሕነና፥ ንታቦት ኪዳን እግዚኣብሄር ካብ ሴሎ ናባና ነምፅኣዮ” በሉ።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos