6 ኢያሱውን ክዳኑ ቐደደ፤ ንሱን ዓበይቲ እስራኤልን ድማ፥ ኣብ ኣራእሶም ሓመድ ነስኒሶም፥ ኣብ ቅድሚ ታቦት እግዚኣብሄር ብገፆም ናብ ምድሪ ተደፍኡ፤ ክሳዕ ምሸትውን ፀንሑ።
ሮቤል ናብቲ ጕድጓድ ተመለሰ፤ እንሆ ኸዓ፥ ዮሴፍ ኣብቲ ጕድጓድ ኣይነበረን። ሽዑ ብጓሂ ኽዳኑ ቐደደ።
ያእቆብ ድማ ብጓሂ ኽዳኑ ቐዲዱ፥ ኣብ ሕቘኡ ወጮ ተዓጠቐ፤ ብዛዕባ ወዱ ብዙሕ መዓልቲ በኸየ።
ሽዑ ዳዊት ብሓዘን ክዳውንቱ ቐደደ፤ እቶም ምስኡ ዝነበሩ ዅሎም ሰባትውን ከምኡ ገበሩ።
ኣብ ውግእ ስለ ዝሞቱ፥ ንሳኦልን ንወዱ ዮናታንን ንህዝቢ እግዚኣብሄርን ንቤት እስራኤልን ሓዘኑሎምን በኸዩሎምን፤ ክሳዕ ምሸትውን ፆሙ።
ኣብታ ሳልሰይቲ መዓልቲ ድማ፥ እንሆ፥ ካብቲ ሳኦል ምስ ሓሻኽሩ ሰፊርዎ ዝነበረ ቦታ፥ ሓደ ሰብኣይ ክዳኑ ብሓዘን ቀዲዱ ሓመድውን ኣብ ርእሱ ነስኒሱ ናብ ዳዊት መፀ፤ ናብ ምድሪ ተደፊኡውን ሰገደ።
ሽዑ ዳዊት ምእንቲ እቲ ቘልዓ ናብ እግዚኣብሄር ለመነ፤ ዳዊትውን ፆመ፤ ኣትዩ ድማ ኣብ መሬት ደቀሰ።
ትእማር ድማ ሓሙዅሽቲ ኣብ ርእሳ ነስነሰት፤ ነቲ ተኸዲናቶ ዝነበረት ብዙሕ ሕብሪ ዘለዎ ቐሚሽ ከዓ ቐደደቶ፤ ኢዳ ኣብ ርእሳ ገይራ ድማ እናእወየት ከደት።
ሽዑ ንጉስ ተሲኡ ኽዳኑ ቐደደ፤ ኣብ ምድሪ ድማ ወደቐ። ኵሎም ኣገልገልቱውን ክዳውንቶም ቀዲዶም ምስኡ ደው በሉ።
እቲ ንጉስ ከዓ ቓላት እቲ መፅሓፍ ሕጊ ምስ ሰምዐ፥ ደንጊፁ ኽዳውንቱ ቐደደ።
እቲ ንጉስ፥ ቃል እቲ መፅሓፍ ሕጊ ምስ ሰምዐ፥ ደንጊፁ ኽዳውንቱ ቐደደ።
እዝራ እናፀለየን እናተናዘዘን እናበኸየን፥ ኣብ ቅድሚ ቤት ኣምላኽ ብገፁ ወዲቑ እንተሎ፥ ካብ እስራኤል፥ ሰብኡትን ኣንስትን ህፃናትን የመና ብዙሕ ህዝቢ ናብኡ ተኣከበ። እቲ ህዝቢ ኸዓ ብርቱዕ ብኽያት በኸየ።
ኣብ መበል ዕስራን ኣርባዕተን መዓልቲ ናይዛ ወርሒ እዚኣ፥ ደቂ እስራኤል ተኣኪቦም፥ ወጮ ተኸዲኖም፥ ሓመድ ኣብ ርእሶም ነስኒሶም ፆሙ።
መርዶክዮስ ከዓ እቲ ዝተገብረ ዅሉ ነገር ምስ ፈለጠ፥ ብሓዘን ክዳኑ ቐዲዱ ወጮ ተኸደነ፤ ኣብ ርእሱውን ሓሙዅሽቲ ነስነሰ፤ ናብ ማእኸል እታ ኸተማ ወፂኡ ድማ፥ ብርቱዕን መሪርን ኣውያት ኣእወየ።
ኣብ ኵለን ሃገራት ቃል ንጉስን ትእዛዙን ኣብ ዝበፅሖ ዅሉ ቦታ ኸዓ፥ ኣብ ኣይሁድ ብርቱዕ ሓዘንን ፆምን ብኽያትን ዋይ ዋይታን ኮነ። ብዙሓትውን ወጮ ተኸዲኖምን ሓሙዅሽቲ ነስኒሶምን ተቐሚጦም ነበሩ።
ሽዑ ኢዮብ ተሲኡ ብሓዘን ክዳኑ ቐደደ፤ ርእሱውን ተላፀየ፤ ናብ ምድሪ ተደፊኡ ሰገደ።
ካብ ርሑቕ ኣማዕድዮም ጠሚቶም ምልላዩ ምስ ሰኣኑ ግና፥ ዓው ኢሎም በኸዩ፤ ነፍሲ ወከፎም ድማ ኽዳውንቶም ብጓሂ ቐደዱ፤ ናብ ርእሶምውን ሓመድ ነስነሱ።
ስለዙይ ንርእሰይ እንዕቓ ኣለኹ፤ ኣብ ሓመድን ሓሙዅሽትን ኮይነ እንሳሕ ኣለኹ።”
ዮድ። እቶም ናይ ጓል ፅዮን ኣረጋውያን፥ ፀጥ ኢሎም ኣብ ምድሪ ተቐሚጦም ኣለዉ፤ ኣብ ኣራእሶም ሓመድ ነስነሱ፤ ወጮውን ተኸደኑ፤ ጐርዞታት ኢየሩሳሌም ርእሰን ናብ ምድሪ ኣድነና።
ኢያሱ ወዲ ነዌን ካሌብ ወዲ ዮፎኒን፥ ካብቶም ነታ ምድሪ ኽስልሉ ኸይዶም ዝነበሩ፥ ብጓሂ ኽዳውንቶም ቀደዱ።
ሽዑ ንሳቶም “ኦ ኣምላኽ! ኣምላኽ ናይ ነፍሳት ዅሉ ሰብ፥ ሓጢኣት ዝገበረስ ሓደ ሰብኣይ እዩ፤ ንዅሉ ኣኼባዶ ትቝጥዖ ኢኻ?” እናበሉ ብገምበሮም ተደፍኡ።
“ኣነ ብቕፅበት ዓይኒ ኸጥፍኦም እየ እሞ፥ ካብዝ ህዝቢ እዙይ ረሓቑ” በሎ። ንሳቶም ከዓ ብገምበሮም ተደፍኡ።
እንተ ኾነ እቶም ሃዋርያት በርናባስን ጳውሎስን፥ እዙይ ምስ ሰምዑ ሓዚኖም ክዳውንቶም ቀደዱ፤ እናእወዩ ድማ ናብቶም ህዝቢ ኣቢሎም ጐየዩ፤
ኢያሱ ድማ “ኦ እግዚኣብሄር ኣምላኽ! ስለ ምንታይ ንፈለግ ዮርዳኖስ ኣሳገርካና? ስለ ምንታይከ ምእንቲ ኸጥፍኡና ናብ ኢድ ኣሞራውያን ኣሕሊፍካ ሃብካና? ኣብ ማዕዶ ዮርዳኖስ ተቐሚጥና እንተ ንኸውንዶ ኣይምሐሸን?
እናበኸዩን እናሓዘኑንውን፥ ኣብ ርእሶም ሓመድ ነስነሱ። ‘እቶም ኣብ ባሕሪ መራኽብ ዘለዋኦም ኵሎም፥ ብሃብታ ዝሃብተሙ፥ ብሓንቲ ሰዓት ዓንያ እያ እሞ፥ ነዛ ዓባይ ከተማ ወይለኣ! ወይለኣ!’ እናበሉ ኣእወዩ።
ንኣኣ ምስ ረአያ ኸዓ ኽዳውንቱ ቐዲዱ “ኣየ ጓለይ፥ ንእግዚኣብሄር መብፅዓ ኣትየሉ እየ፤ ክመልሶ ኸዓ ኣይክእልን እየ እሞ፥ የመና ኣዋረድክኒ ኣጨነቕክኒ እውን” በላ።
ደቂ እስራኤል ከዓ ደዪቦም ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክሳዕ ምሸት ብኽይ ወዓሉ። ንእግዚኣብሄር ድማ፦ “መሊስናዶ ምስ ኣሕዋትና ደቂ ብንያም ውግእ ክንገጥም?” ኢሎም ጠየቕዎ። እግዚኣብሄር ከዓ “እወ፥ ኣብ ልዕሊኣቶም ደይቡ” በሎም።
ሽዑ ዅሎም ደቂ እስራኤልን ኵሉ ህዝብን ናብ ቤቴል ደዪቦም በኸዩ። በታ መዓልቲ እቲኣ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ተቐሚጦም ክሳዕ ምሸት ፆሙ። ዝቃፀል መስዋእትን መስዋእቲ ድሕነትን ድማ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣቕረቡ።
እቶም ህዝቢ ድማ ናብ ቤቴል መፁ። ኣብኣ ኸዓ ኽሳዕ ምሸት ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ተቐመጡ፤ ድምፆም ዓው ኣቢሎም ድማ ብርቱዕ ብኽያት በኸዩ።
በታ መዓልቲ እቲኣ ድማ ሓደ ብንያማዊ ሰብኣይ ብሓዘን ክዳውንቱ ቐዲዱ፥ ኣብ ርእሱ ሓመድ ነስኒሱ፥ ካብቲ ውግእ ናብ ሴሎ ጐይዩ መፀ።