3 ናብ ኢያሱ ተመሊሶም ድማ “ኵሉ ህዝቢ ናብ ጋይ ክድይብ ኣየድልን እዩ፤ ክልተ ወይ ሰለስተ ሽሕ ዝኣኽሉ ሰባት ስደድ፤ እቶም ኣብኣ ዝነብሩ ህዝቢ ውሑዳት እዮም እሞ፥ ንዅሉ ህዝቢ ኣይተድክሞ” በልዎ።
ነፍሲ ሃካይ ሰብ ትምነ፥ ግና ሓንቲኳ ኣይትረክብን፤ ነፍሲ ትጉሃት ግና የመና ትፀግብ።
ኣእዳዉ ኽሰርሓ ኣይደልያንሞ፤ ንሃካይ ትምኒቱ ትቐትሎ።
ንሱ ድማ፥ “በታ ፀባብ ኣፍ ደገ፥ ንምእታው ፀዓሩ፤ ክኣትዉ ዝደልዩ ብዙሓት እዮም፤ ግና ኣይኽእሉን እብለኩም ኣለኹ።
ስለዙይ፥ ሓደኳ ናይቲ ዘይምእዛዞም ኣርኣያ ተኸቲሉ ኸይወድቕ፥ ናብቲ ዕረፍቱ ኽንኣቱ ንፅዓር።
ኢያሱ ድማ ኻብ ኢያሪኮ ብምብራቕ ቤቴል ኣብ ጥቓ ቤት ኣዌን ናብ ዘላ ጋይ እትበሃል ከተማ ሰባት ሰደደ፤ “ደይብኩም ነታ ሃገር ሰልይዋ” ድማ በሎም። እቶም ሰባት ከዓ ደዪቦም ንጋይ ሰለይዋ።
ሰለስተ ሽሕ ዝኣኽሉ ሰባት ናብ ጋይ ደየቡ። ካብ ቅድሚ ሰብ ጋይ ከዓ ሃደሙ።
ስለዙይ፥ ኣቱም ኣሕዋትና፥ ንፅውዓኹምን ምሕራይኩምን ክተፅንዕዎ፥ ኣብሊፅኩም ተጋደሉ። እዙይ እንተ ጌርኩም፥ ከቶ ኣይትወድቁን ኢኹም።
ስለዙይ ብዅሉ ትግሃት፥ ኣብ እምነትኩም ሕያዋይነት ወስኹ፤ ኣብ ሕያዋይነትውን ፍልጠት፥