25 ኢያሱ ድማ ንኣካን “ስለ ምንታይ መከራ ኣምፃእኻልና? እግዚኣብሄር በዛ መዓልቲ እዚኣ ኽፉእ ክገብረካ እዩ” በሎ። ኵሎም እስራኤል ድማ ብእምኒ ቐጥቂጦም ቀተልዎም፤ ብእምኒ ቐጥቂጦም ምስ ቀተልዎም ከዓ ብሓዊ ኣቃፀልዎም።
ያእቆብ ከዓ ንስምኦንን ንሌዊን “በዞም ኣብዛ ሃገር ዝነብሩ ከነዓናውያንን ፈሪዛውያንን ከም ዝፅላእ ብምግባርኩም ኣጨነቕኩምለይ። ኣነ ብቝፅሪ ውሑድ እየ፤ ንሳቶም ተኣኪቦም እንተ ወግኡኒ ኸዓ ኣነን ቤተይን ክንጠፍእ ኢና” በሎም።
ድሕሪ ሰለስተ ወርሒ ድማ፥ “ትእማር ሰበይቲ ወድኻ ዘምያ፥ እንሆ ኸዓ ብዝሙት ጠኒሳ” ኢሎም ንይሁዳ ነገርዎ። ይሁዳ ድማ “ኣውፅእዋ፥ ብሓዊ ኣንዲድኩም ከዓ ቕተልዋ” ኢሉ ኣዘዘ።
ከርሚ ንኣካን ወለደ፤ ኣካን እቲ ኻብቲ ዝተሓረመ ብምውሳድ ንደቂ እስራኤል ጥፍኣት ዘምፅአሎም እዩ።
ኵሉ መንገዲ ህሩፍ ከምዙይ እዩ፤ ንነፍሲ ዋናኡ የጥፍኣ።
ረብሓ ንምርካብ ዝሃርፍ ንቤቱ ይህውኻ፤ እቲ ጉቦ ዘይቕበል ግና ብህይወት ይነብር።
ሓደ ሰብ፥ ንኖኣን ንጓላን እንተ ኣእተወን፥ እዙይ ርኽሰት እዩ እሞ ንሱን ንሳተንን ብሓዊ ይቃፀሉ። ከምዙይ ዝበለ ርኽሰት ኣብ ማእኸልኩም ኣይረኸብ።
ንደቂ እስራኤል ከምዙይ በሎም፦ ዝኾነ እስራኤላዊ፥ ወይ ኣብ እስራኤል ካብ ዝነብሩ ጓኖት፥ ካብ ደቁ ንጣዖት ሞሎኽ ዝህብ ይቀተል፤ ህዝቢ እስራኤል ከዓ ብእምኒ ቐጥቂጦም ይቕተልዎ።
ጓል ካህን ብምንዝርና እንተ ረኸሰት፥ ነቦኣ ስለ ዘዋረደት ብሓዊ ትቃፀል።
ነቲ ዝተፃረፈ ሰብኣይ ናብ ወፃኢ ሰፈር ኣውፅኣዮ፤ እቶም ዝሰምዕዎ ዅሎም ከዓ በዳሊ ኸም ዝኾነ ምእንቲ ኽምስክሩ፥ ኣእዳዎም ኣብ ልዕሊ ርእሱ የንብሩ፤ ኵሉ እቲ ህዝቢ ድማ ብእምኒ ቐጥቂጡ ይቕተሎ።
እቶም ዝህውኹኹም ሰባት፥ እንተ ደልዮም ይሰለቡ።
ካብቲ ኻብ ግብፂ፥ ካብ ምድሪ ባርነት ዘውፅአኩም እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ከርሕቐኩም ደልዩ እዩ እሞ፥ ብእምኒ ቐጥቂጥኩም ቅተልዎ።
ሽዑ ዅሎም እስራኤል ሰሚዖም ክፈርሑ እዮም፤ ካብ ማእኸልኩም ድማ ኸምዙይ ዝበለ ክፉእ ስራሕ ኣይገብሩን እዮም።
ሽዑ ነቲ እዝ ኽፉእ ነገር እዙይ ዝገበረ ሰብኣይ ወይ ነታ ሰበይቲ ኻብ ከተማታትኩም ኣውፂእኹም ብእምኒ ቐጥቂጥኩም ቅተልዎ።
ኵሎም ሰብ እታ ኸተማኡ ድማ ብእምኒ ቐጥቂጦም ይቕተልዎ። ክፉእ ንዝኾነ ኻብ ማእኸልኩም ኣርሕቕዎ፤ ኵሎም ህዝቢ እስራኤል ከዓ ነዙይ ሰሚዖም ክፈርሑ እዮም።
እግዚኣብሄር ቅኑዕ ፈራዲ ስለ ዝኾነ፥ ኣብ ልዕሊ እቶም መከራ ዘምፅኡልኩም፥ መከራ ኽፈድዮም እዩ።
ካብ ፀጋ እግዚኣብሄር ሓደኳ ኸይወፅእ፥ መሪር ሱር በቚሉውን ከየጨንቐኩም፥ ንብዙሓት ከዓ ኸየርክስ ተጠንቀቑ።
ካብቲ ዝተሓረመ ኸይትወስዱ እሞ ንሰፈር እስራኤል ከይተርግምዎ፥ መከራውን ከይተምፅኡሉ ተጠንቀቑ።
እቲ ዝተሓረመ ዝተረኽቦ ሰብ ድማ ኺዳን እግዚኣብሄር ኣፍሪሱ፥ ኣብ እስራኤል ነውሪ ስለ ዝገበረ፥ ንሱን ዘለዎ ዅሉን ብሓዊ ይቃፀሉ” በሎም።
ሽዑ ዮናታን “ኣቦይ ነዛ ምድሪ ጐዲኡዋ። ካብዝ መዓር እዙይ ስለ ዝጠዓምኩ ኣዒንተይ ከም ዝበርሃ ረአዩ።