24 ሽዑ ኢያሱን ኵሎም ህዝቢ እስራኤልን ኮይኖም ንኣካን ወዲ ዛራን ነቲ ብሩርን ባርኖስን ወርቅን፥ ነወዳቱን ነጓላቱን ከፍቱን ኣእዱጉን ኣባጊዑን ድንኳኑን ዘለዎ ዅሉን ናብ ለሰ ዓኾር ወሰድዎም።
ከምዙይ ዝበለ ነገር ምግባርስ ካባኻ ይርሓቕ። ነቲ ፃድቕ ከም ሓጥእ ቈፂርካ፥ ንፃድቕ ምስ ሓጥእ ምጥፋእ ካባኻ ይርሓቕ። እቲ ንዅላ ምድሪ ዝፈርድ፥ ቅኑዕ ፍርዲዶ ኣይፈርድን እዩ?” በሎ።
ነቲ ዝወሓጦ ሃብቲ ኽተፍኦ እዩ፤ እግዚኣብሄር ካብ ከብዱ ኸውፅኦ እዩ።
ኣይትስገደሎም፤ ኣይተምልኮምውን። ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ቐናእ ኣምላኽ እየ እሞ፥ ንዝፀልኡኒ ሓጢኣት ኣቦታት ኣብ ውሉድ ክሳዕ ሳልሳይን ራብዓይን ትውልዲ ዝቐፅዕ፥
ረብሓ ንምርካብ ዝሃርፍ ንቤቱ ይህውኻ፤ እቲ ጉቦ ዘይቕበል ግና ብህይወት ይነብር።
ኣብ ትሕቲ ፀሓይ ዘሕዝን ክፉእ ነገር ረአኹ፤ ንጕድኣት መጥረዪኡ ዝተዓቘረ ሃብቲ እዩ።
ነቶም ዝደልዩኒ ህዝበይ፥ ለሰ ሳሮን መውፈሪ ኣባጊዖም ክኸውን እዩ፤ ለሰ ኣኮር ድማ መዕየሚ ኸፍቲ ክኸውን እዩ።
ብድሕሪኡ ኣታኽልቲ ወይና ኽህባ እየ፤ ንለሰ ኣኮርውን ናይ ተስፋ በሪ ክኾና ኽህባ እየ። ኣብኡ ኸምቲ ጊዜ ህፃንነታ፥ ከምቲ በታ ኻብ ምድሪ ግብፂ ዝወፀትላ መዓልቲ ኽትዝምር እያ።
እቲ ወሰን ከዓ ኻብ ለሰ ዓኾር ናብ ዳቤር ይድይብ፤ ከምኡ ኸዓ ናብ ሰሜን፥ ንጌልገላ ኣቢሉ ይጥምት፤ ንሱ ኸዓ ኣብ መንፅር እቲ ኣብ ወገን ደቡቡ ነቲ ሩባ ዘሎ ዓቐበት ኣዱሚም እዩ፤ እቲ ወሰን ድማ ንማይ ዔይን ሳሚስ ይሓልፍ፤ ናብ ዔንሮጌል ይወፅእ።
ኣካን ወዲ ዛራ ካብቲ ዝተሓረመ ብምውሳዱ በደለ፤ መዓት ከዓ ኣብ ምሉእ ህዝቢ እስራኤል ደኣ ወረደ እምበር፥ በቲ በደሉ ንሱ በይኑ ጥራሕ ኣይሞተን።
ካብቲ ዝተሓረመ ኸይትወስዱ እሞ ንሰፈር እስራኤል ከይተርግምዎ፥ መከራውን ከይተምፅኡሉ ተጠንቀቑ።
ኣብታ ኸተማ ንዝነበረ ዅሉ ኸዓ ኣጥፍእዎ። ካብ ሰብኣይ ክሳዕ ሰበይቲ፥ ካብ ቈልዓ ኽሳዕ ኣረጊት፥ ክሳዕ ብዕራይን በጊዕን ኣድግን ብስሕለት ሰይፊ ኣጥፍእዎ።
ደቂ እስራኤል ግና በቲ ዝተሓረመ ነገር በደሉ። ኣካን፥ ወዲ ከርሚ፥ ወዲ ዘንበሪ፥ ወዲ ዛራ፥ ካብ ነገድ ይሁዳ፥ ካብቲ ዝተሓረመ ነገር ወሰደ እሞ ቝጥዓ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ ደቂ እስራኤል ነደደ።
ካብ ማእኸል እቲ ድንኳን ወሲዶም፥ ናብ ኢያሱን ናብ ኵሎም ደቂ እስራኤልን ኣምፂኦም ከዓ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣንበርዎ።
ኣብ ልዕሊኣቶም ድማ እቲ ኽሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ ዘሎ ዓብዪ ጨቝሊ እምኒ ጨቈሉ። ስለዙይ ከዓ ስም እታ ቦታ ኽሳዕ ሎሚ ለሰ ዓኾር ትብሃል ኣላ። እግዚኣብሄር ድማ ኻብ ረስኒ ቝጥዓኡ ተመለሰ።