22 ሽዑ ኢያሱ ልኡኻት ሰደደ፤ ንሳቶም ድማ ናብቲ ድንኳን ጐየዩ፤ እንሆ ድማ፥ ኣብቲ ድንኳኑ ተሓቢኡ፥ እቲ ብሩርውን ብትሕቲኡ ነበረ።
እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ካብቶም ኣብ ዙርያ እታ ንሱ ኽትወርስዋ ርስቲ ዝህበኩም ምድሪ ዝነብሩ ዅሎም ፀላእትኹም ምስ ኣዕረፈኩም፥ ንዝኽሪ ኣማሌቃውያን ካብ ትሕቲ ሰማይ ደምስስዎ፥ ኣይትረስዕዎውን።
ካብቲ ዝተዘምተ ሓደ ፅቡቕ ካባ ሰናዖርን ክልተ ኺሎ ግራም ብሩርን ፍርቂ ኺሎ ግራም ዝምዘን ወርቅን ምስ ረአኹ፥ በሃግክዎ እሞ ወሰድክዎ፤ እንሆ ኸዓ፥ ኣብ ውሽጢ ማእኸል ድንኳነይ ኣብ ዘሎ ምድሪ ቤት፥ እቲ ብሩር ድማ ብትሕቲኡ ተሓቢኡ ኣሎ” በሎ።
ካብ ማእኸል እቲ ድንኳን ወሲዶም፥ ናብ ኢያሱን ናብ ኵሎም ደቂ እስራኤልን ኣምፂኦም ከዓ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣንበርዎ።