21 ካብቲ ዝተዘምተ ሓደ ፅቡቕ ካባ ሰናዖርን ክልተ ኺሎ ግራም ብሩርን ፍርቂ ኺሎ ግራም ዝምዘን ወርቅን ምስ ረአኹ፥ በሃግክዎ እሞ ወሰድክዎ፤ እንሆ ኸዓ፥ ኣብ ውሽጢ ማእኸል ድንኳነይ ኣብ ዘሎ ምድሪ ቤት፥ እቲ ብሩር ድማ ብትሕቲኡ ተሓቢኡ ኣሎ” በሎ።
መጀመርታ ግዝኣቱ ድማ፥ እተን ኣብ ሃገር ሰናዖር ዝርከባ፥ ባቢሎን፥ ኦሬ፥ ኣርካድ፥ ካልኔ፥ ዝበሃላ እየን።
እታ ሰበይቲ ድማ፥ እታ ኦም ንዐይኒ ፅብቕቲ፥ እቲ ፍረኣ ንምብላዑ ዘብህግ፥ ጥበብ ብምሃብውን ሰናይ ምዃና ሪኣ፥ ካብታ ፍረ ኦም ወሲዳ በልዐት፤ ንሰብኣያውን ሃበቶ፤ ንሱውን ምስኣ በልዐ።
ሴኬም ንሓፍቶም ስለ ዘነወራ፥ ደቂ ያእቆብ ናብቲ እቶም ቅቱላት ዘለውዎ መፂኦም፥ ነታ ኸተማ ዘመትዋ።
እቶም ደቂ እግዚኣብሄር ድማ ነተን ኣጓላት ደቂ ሰብ፥ መልክዐኛታት ምዃነን ምስ ረአዩ፥ ካብኣተን ዘዝመረፅወን ኣንስቲ ወሰዱ።
ሓደ መዓልቲ ኣጋ ምሸት፥ ዳዊት ካብ ምድቃሱ ተሲኡ ኣብ ሰገነት ቤተ መንግስቱ ይመላለስ ነበረ። ኣብ ሰገነቱ እንተሎ ሓንቲ ሰበይቲ ማይ ክትሕፀብ እንተላ ረአያ፤ እታ ሰበይቲ ኸዓ ትርኢታ የመና ፅቡቕ ነበረ።
እቶም ለምፃማት እቲኣቶም፥ ናብ ወሰን እቲ ሰፈር ምስ በፅሑ ኸዓ፥ ናብ ሓደ ድንኳን ኣትዮም በልዑን ሰተዩን፤ ካብኡ ድማ ብሩርን ወርቅን ክዳውንትን ወሰዱ፤ ከይዶም ከዓ ሓብእዎ። ተመሊሶም ድማ ናብ ካልእ ድንኳን ኣተዉ፤ ካብኡ ኸዓ ወሰዱ፤ ከይዶምውን ሓብእዎ።
“ምስ ዓይነይ ቃል ኪዳን ኣተኹ፤ ደጊም ናብ ቆንጆ ኸመይ ኢለ ኽርኢ?
ነዒንተይ ከንቱ ነገር ካብ ምጥማት ምለሰን፤ ብመንገድኻውን ህያው ግበረኒ።
“ቤት ብፃይካ ኣይትመነ። ሰበይቲ ብፃይካ፥ ኣገልጋሊኡ፥ ኣገልጋሊቱ፥ ብዕራዩ፥ ኣድጉ፥ ወይ ናይ ብፃይካ ዝኾነ ዅሉ ኣይትመነ።”
ኵሉ መንገዲ ህሩፍ ከምዙይ እዩ፤ ንነፍሲ ዋናኡ የጥፍኣ።
ንወይኒ ምቕያሑ፥ ኣብ ብርለ ብርቕርቕ ምባሉ፥ ጥዒሙ ምውራዱ ኣይትመልከት።
መንቀኛ ሰብ ክህብትም ይሃፅፅ፤ ድኽነት ከም ዝመፆ ግና ኣይፈልጥን።
ህይወት ካብ ልቢ እያ እትፍልፍል እሞ፥ ልዕሊ ዅሉ ንልብኻ ሓልዎ።
ንስኻትኩም “ምስ ሞት ኪዳን ተኣታቲና፥ ምስ ሲኦልውን ተወዓዒልና፤ ንሓሰት መፀግዒና፥ ንጥልመትውን መኸወሊና ጌርና ኢና እሞ፥ መዓት ከም ደምሳሲ ውሕጅ ኮይኑ ኽመፅእ እንተሎ ኣባና ኣይበፅሕን እዩ” ትብሉ ኣለኹም እሞ፥
እቶም ንምኽሮም ካብ እግዚኣብሄር ኣዕሚቖም ዝሓብኡ፥ ተግባሮም ከዓ ብፀልማት ዝገብሩ እሞ “መን ይሪአና? መንከ ይፈልጠና?” ዝብሉ ወይለኦም!
ካብ ክፉእ ንኽድሕን፥ ንቤቱ ኣብ በሪኽ ቦታ ንኽገብር፥ ንገዛኡ ዘይግባእ ትርፊ ንዝእክብ ወይለኡ!
ኣስዒቡውን “ህይወት ሰብ፥ ብብዝሒ ገንዘብ ኣይኮነትን እሞ ተጠንቀቑ፤ ካብ ኵሉ ስስዐውን ተዓቀቡ” በሎም።
ዘይቕላዕ ክዱን፥ ዘይፍለጥ ሕቡእ የለን።
ንቅዱሳን ኣይግባእን እዩ እሞ፥ ዝሙት፥ ዝኾነ ዓይነት ርኽሰት፥ ከትሪ ወይ ስስዐ፥ ኣባኻትኩም ከቶ ኣይሰማዕ።
ዘማዊ፥ ርኹስ፥ ወይ ጣዖት ከም ምምላኽ ዝቝፀር ስስዐ ዘለዎ ሰብ፥ ኣብ መንግስቲ ክርስቶስን እግዚኣብሄርን፥ ርስቲ ኸም ዘይብሉ ፍለጡ።
ዝተቐረፀ ምስልታት ኣማልኽቶም ብሓዊ ኣቃፅሉ፤ ነቲ ኣብ ምስልታት ኣማልኽቶም ዘሎ ብሩርን ወርቅን ኣይትመነዩ፤ እዙይ ኣብ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ርኹስ እዩ እሞ፥ መፈንጠር ከይኾነኩም፥ ካብኡ ንኣኻትኩም ሓደኳ ኣይትውሰዱ።
ስለዙይ ኣባኻትኩም ንዘሎ ምድራዊ ድልየትኩም ቅተሉ፤ እዙይ ከዓ፦ ዝሙት፥ ርኽሰት፥ ፍትወት ስጋ፥ ክፉእ ትምኒት፥ እቲ ኣምልኾ ጣዖት ዝኾነ ስስዐ እዩ።
እግዚኣብሄር ባዕሉ “ኣይሓድገካን፥ ሸለልውን ከቶ ኣይብለካን እየ” ኢሉ እዩ እሞ፥ ናብራኻትኩም ብዘይ ፍቕሪ ገንዘብ ይኹን፤ በቲ ዘለኩምውን ይኣኽለኒ ምባል ተምሃሩ።
ድሕሪዙይ ትምኒት ምስ ጠነሰት፥ ንሓጢኣት ትወልድ፤ ሓጢኣት ምስ ዓበየት ድማ፥ ንሞት ትወልድ።
ኣካን ድማ ንኢያሱ መሊሱ “ሓቂ እዩ፥ ኣነ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል በዲለ እየ፤ ከምዙይን ኸምዙይንውን ገበርኩ።
ሽዑ ኢያሱ ልኡኻት ሰደደ፤ ንሳቶም ድማ ናብቲ ድንኳን ጐየዩ፤ እንሆ ድማ፥ ኣብቲ ድንኳኑ ተሓቢኡ፥ እቲ ብሩርውን ብትሕቲኡ ነበረ።
ነታ ቕንዕቲ መንገዲ ሓዲጎም ተጋገዩ፤ መንገዲ እቲ ዓስቢ ዓመፃ ዝፈተወ በለዓም ወዲ ባሶር ሰዓቡ።