2 ኢያሱ ድማ ኻብ ኢያሪኮ ብምብራቕ ቤቴል ኣብ ጥቓ ቤት ኣዌን ናብ ዘላ ጋይ እትበሃል ከተማ ሰባት ሰደደ፤ “ደይብኩም ነታ ሃገር ሰልይዋ” ድማ በሎም። እቶም ሰባት ከዓ ደዪቦም ንጋይ ሰለይዋ።
ካብኡ ናብቲ ኣብ ምብራቕ ቤቴል ዘሎ እምባ ተጕዓዘ፤ ኣብኡ ድማ ድንኳኑ ተኸለ እሞ፥ ቤቴል ብወገን ምዕራቡ፥ ጋይ ከዓ ብወገን ምብራቑ ኾና። ኣብኡ ኸዓ ንእግዚኣብሄር መስዋእቲ ዘቕርበሉ መሰውኢ ሰርሐ፤ ስም እግዚኣብሄርውን ፀውዐ።
ስም እታ ኸተማ ቕድም ሎዛ ይበሃል ነበረ። ያእቆብ ግና “ቤቴል” ኢሉ ሰመያ።
ነቲ ሓደ ኣብ ቤቴል ኣንበሮ፤ ነቲ ሓደ ኸዓ ኣብ ዳን ገበሮ።
ደቂ ብንያም ከዓ ኣብ ጌባ፥ ኣብ ማክማስን ኣብ ጋያን ኣብ ቤቴልን ኣብ ከባቢኣን፥
ሓሳብ ብምኽሪ ትፀንዕ፤ ብጥበብ ተመሪሕኻውን ተዋጋእ።
እምበኣር ብጥበብ ተመሪሕኻ ተዋጋእ፤ ዓወት ከዓ ብዙሕ መኸርቲ ኣብ ዘለውዎ እዩ።
ናብ ኣንጋይ መፀ፤ ብመጌዶን ኣቢሉውን ሓለፈ። ኣብ ማክማስ ድማ ኣቑሑኡ ኣንበረ።
ኣቲ ሓሴቦን፥ ጋይ ፈሪሳ እያ እሞ፥ ኣእውዪ። ኣትን ኣዋልድ ረባት፥ ከሊ ተዓጠቓ፥ ዋይ ዋይ በላ። ሚልኮም ምስ ካህናቱን ኣሕሉቑን ሓቢሩ ኽማረኽ እዩ እሞ፥ ኣብቲ መካበብያ እናዞርክን ኣልቅሳ።
“ኣታ እስራኤል ንስኻ እንተመንዘርካ ይሁዳ ኣይበድል፤ ንስኻትኩምውን ናብ ጌልገላ ኣይትእተዉ፤ ናብ ቤት ኣዌንውን ኣይትደይቡ፤ ‘ህያው እግዚኣብሄር’ ኢልኩም ከዓ ኣይትምሓሉ።
“እንሆ ኣነ ኸም ኣባጊዕ፥ ናብ ማእኸል ተዃሉ እሰደኩም ኣለኹ፤ ደጊም ከም ተመን ብልህታት፥ ከም ርግቢ ኸዓ የዋሃት ኩኑ።
እምበኣር ተጠንቀቑ፤ እዝ ዘመን ክፉእ እዩ እሞ፥ ነቲ ዝተውሃበኩም ጊዜ ብምሉኡ፥ ኣብ ረብሓ እናውዓልኩም፥ ከም ዓያሹ ዘይኮነስ፥ ከም ለባማት ንበሩ።
ንጉስ ኢያሪኮ፥ ንጉስ እታ ኣብ ጥቓ ቤቴል ዘላ ጋይ፥
እቲ ወሰኖም ብወገን ሰሜን ካብ ፈለግ ዮርዳኖስ ይጅምር፤ ብሰሜናዊ ፀግዒ ኢያሪኮ ደዪቡ፤ ንምዕራብ ወገን ኣቢሉ በቲ ዀረብታታት ሓሊፉ ናብ ምድረ በዳ ቤትኣዌን ይሓልፍ።
ሽዑ ኢያሱ ወዲ ነዌ ኻብ ሽጢም ዝበሃል ቦታ ኽልተ ሰባት ብሕቡእ ሰዲዱ፥ “ኬድኩም ነታ ምድርን፥ ንኢያሪኮን ሰልይዋ” በሎም። ንሳቶም ድማ ኸይዶም፥ ረኣብ ናብ እትበሃል ገዛ ኣመንዝራ ኣተዉ፤ ኣብኡውን ሓደሩ።
ናብ ኢያሱ ተመሊሶም ድማ “ኵሉ ህዝቢ ናብ ጋይ ክድይብ ኣየድልን እዩ፤ ክልተ ወይ ሰለስተ ሽሕ ዝኣኽሉ ሰባት ስደድ፤ እቶም ኣብኣ ዝነብሩ ህዝቢ ውሑዳት እዮም እሞ፥ ንዅሉ ህዝቢ ኣይተድክሞ” በልዎ።
ፍልስጥኤማውያን ድማ ሰላሳ ሽሕ ሰረገላ፥ ሽዱሽተ ሽሕ ፈረሰኛ፥ ብዝሒ ህዝቢ ድማ ኸምቲ ኣብ ገምገም ባሕሪ ዘሎ ሑፃ ኾይኖም ምስ እስራኤል ክዋግኡ ተኣከቡ። ደዪቦም ኣብታ ኣብ ምብራቕ ቤት ኣዌን ዘላ ማክማስ ሰፈሩ።
እግዚኣብሄር ድማ በታ መዓልቲ እቲኣ ንደቂ እስራኤል ኣድሓኖም። እቲ ውግእ ኸዓ ብወገን ቤት ኣዌን ሓለፈ።
ነቶም ኣብ ቤቴል፥ ኣብ ደቡብ ዘላ ራሞት፥ ኣብ የቲር፥