18 ንማይ ቤት ዘንበሪ ኣቕረቦም፤ ካብ ነገድ ይሁዳ ዝኾነ ኣካን፥ ወዲ ካርሚ፥ ወዲ ዘንበሪ፥ ወዲ ዛራ ተፈለየ።
ንሓጥኣን ክፉእ ነገር የሳጕጎም፤ ፃድቃን ግና ሰናይ ዓስቢ ይቕበሉ።
ከምቲ ሰራቒ ምስተትሓዘ ዝሓፍር፥ ከምኡ ህዝቢ እስራኤል፥ ምስ ነገስታቶምን ኣሕሉቖምን ካህናቶምን ነቢያቶምን ክሓፍሩ እዮም።
“ከምኡ እንተ ዘይጌርኩም ግና፥ እንሆ፥ ኣብ እግዚኣብሄር ሓጢኣት ክትገብሩ ኢኹም፤ ሓጢኣትኩም ከም ዝረኽበኩም ድማ ፍለጡ።
ንዓሌታት ይሁዳ ኸዓ ኣቕረቦም፤ ነገድ ዛራ ተፈለየ። ንዓሌት ዛራ ኣቕረቦም፤ ነገድ ዘንበሪ ተፈለየ።
ሳኦል ድማ “ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎ ዮናታን ወደይን ዕፃ ኣውድቑ” በሎም። እቲ ዕፃ ድማ ናብ ዮናታን በፅሐ።