17 ንዓሌታት ይሁዳ ኸዓ ኣቕረቦም፤ ነገድ ዛራ ተፈለየ። ንዓሌት ዛራ ኣቕረቦም፤ ነገድ ዘንበሪ ተፈለየ።
ብድሕሪኡ ኸዓ እቲ ኣብ ኢዱ ቐይሕ ፈትሊ ዝነበሮ ሓዉ ተወለደ። ዛራ ኢሎም ድማ ሰመይዎ።
ካብ ዓሌት ዛራ ዛራውያን፥ ካብ ዓሌት ሳኡል ሳኡላውያን።
ደቂ ይሁዳ በብዓሌቶም እዞም ዝስዕቡ እዮም፦ ካብ ዓሌት ሴሎም ሴሎማውያን፥ ካብ ዓሌት ፋሬስ ፋሬሳውያን፥ ካብ ዓሌት ዛራ ዛራውያን።
ኢያሱ ኸዓ ኣንጊሁ ተስአ፤ ንህዝቢ እስራኤል ድማ በብነገዶም ኣቕረቦም፤ ነገድ ይሁዳውን ተፈለየ።
ንማይ ቤት ዘንበሪ ኣቕረቦም፤ ካብ ነገድ ይሁዳ ዝኾነ ኣካን፥ ወዲ ካርሚ፥ ወዲ ዘንበሪ፥ ወዲ ዛራ ተፈለየ።