15 እቲ ዝተሓረመ ዝተረኽቦ ሰብ ድማ ኺዳን እግዚኣብሄር ኣፍሪሱ፥ ኣብ እስራኤል ነውሪ ስለ ዝገበረ፥ ንሱን ዘለዎ ዅሉን ብሓዊ ይቃፀሉ” በሎም።
ደቂ ያእቆብ እዙይ ምስ ሰምዑ፥ ካብ በረኻ ኣተዉ። ሴኬም ንጓል ያእቆብ ብምድፋሩ ኣብ እስራኤል ኽግበር ዘይግባእ ነውሪ ስለ ዝገበረ፥ የመና ብሕርቃን ነደዱ።
ኣነኸ እንታይ ክኸውን እየ? ነዝ ነውረይ ተሰኪመኸ ናበይ ክኸይድ እየ? ንስኻኸ ኸም ሓደ ኻብቶም ኣብ እስራኤል ዘለዉ ነውራማትዶ ኽትከውን ኢኻ? ሕዚ ኸዓ በይዛኻ፥ ንንጉስ ንገሮ ንኣይ ክትምርዐወኒ ኣይኸልአካን እዩ” በለቶ።
ህዝቢ እስራኤል ሓጢኣት ገይሮም ኣለዉ። ነቲ ኣይትግበርዎ ኢለ ዝኣዘዝክዎም ብምጥሓስ፥ ኪዳነይ ኣፍሪሶም ኣለዉ። ካብቲ ዝተሓረመ ነገር ወሰዱ፤ ሰረቑ፤ ሓሰዉ፤ ምስ ኣቑሑቶምውን ኣንበርዎ።
ኢያሱ ኸዓ ኣንጊሁ ተስአ፤ ንህዝቢ እስራኤል ድማ በብነገዶም ኣቕረቦም፤ ነገድ ይሁዳውን ተፈለየ።
ስንቂ ዝወስዱ ኻብ ኵሎም ነገድ እስራኤል፥ ካብ ሚእቲ ዓሰርተ፥ ካብ ሽሕ ከዓ ሚእቲ፥ ካብ ዓሰርተ ሽሕውን ሽሕ ሰብኣይ ንውሰድ። እቶም ዝዋግኡ ኸዓ ነታ ኣብ ምድሪ ብንያም ዘላ ገባዖን፥ ኣብ እስራኤል ነውሪ ስለ ዝገበረት ዝግብኣ ኽፈድይዋ እዮም” በለ።
እቶም ሰብ ገባዖን ድማ ተልዓሉኒ፤ ኣብታ ዘአተኹዋ ገዛ ብለይቲ ኸበቡኒ፤ ክቐትሉኒ ኸዓ ሓሰቡ፤ ነታ ናይ ወሰን ሰበይተይ ዓመፅዋሞ ሞተት።
ኣነ ኸዓ፥ ኣብ እስራኤል ከምዙይ ዝበለ ሓጢኣትን ነውርን ስለ ዝገበሩ፥ ነቲ ሬሳኣ ወሲደ ቘራረፅክዎ እሞ ናብ ኵላ ምድሪ እስራኤል ሰደድክዎ።
ሽዑ ሳኦል “ኣነ በዲለ እየ፤ ወደይ ዳዊት፥ ነፍሰይ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ቅድሜኻ ስለ ዝኸበረት፥ ደጊም ክፉእ ኣይገብረካን እየ እሞ፥ ነዓ ተመለስ። እንሆ፥ ዓሺየ እየ፤ የመናውን ተጋግየ እየ” በሎ።