14 “ክሳዕ ፅባሕ ተቐደሱ፤ ፅባሕ በብነገድኩም ቅረቡ። እቲ እግዚኣብሄር ብዕፃ ዝፈለዮ ነገድ ድማ በብዓሌቱ ይቕረብ። እቲ እግዚኣብሄር ዝፈለዮ ዓሌት ድማ፥ በብማይ ቤቱ ይቕረብ። እቲ እግዚኣብሄር ዝፈለዮ ማይ ቤት ከዓ በብውልቀ ሰብ ይቕረብ።
ዕፃ ኣብ ሕቝፊ ይወድቕ፤ ኵሉ መደባ ግና ካብ እግዚኣብሄር እዩ።
ንስንሳቶም ድማ “እዝ መከራ እዙይ ብሰንኪ መን ከም ዝረኸበና ምእንቲ ኽንፈልጥስ፥ ንዑ ዕፃ ነውድቕ” ተበሃሃሉ። ሽዑ ዕፃ ኣውደቑ፤ እታ ዕፃ ኸዓ ኣብ ዮናስ ወፀት።