Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




መፅሓፍ ኢያሱ 7:12 - መፅሓፍ ቅዱስ

12 ስለዙይ ደቂ እስራኤል በዲሎም እዮም እሞ፥ ዝባኖም ናብ ገፅ ፀላእቶም ይመልሱ እምበር፥ ኣብ ቅድሚ ፀላእቶም ክቖሙ ኣይኽእሉን እዮም። ነቲ ዝተሓረመ ካብ ማእኸልኩም እንተ ዘየጥፊእኹምዎ፥ ኣነ ድሕሪ ደጊም ምሳኻትኩም ኣይኸውንን እየ።

Ver Capítulo Copiar




መፅሓፍ ኢያሱ 7:12
21 Referencias Cruzadas  

ካብ ቅድሚ ፀላእትና ንድሕሪት መለስካና፤ እቶም ዝፀልኡናውን ተማናጠሉና።


ኦ ጐይታ፥ ዝደርበካና ንስኻዶ ኣይኮንካን? ኦ ኣምላኽ፥ ምስ ሰራዊትናውን ኣይትወፅእን ኢኻ!


ሓጥኣን ዝሰጎም ዘይብሎም ይሃድሙ፤ ፃድቃን ግና ኸም ሽደን ኣንበሳ ተኣማሚኖም ይነብሩ።


ግና በደልኩም ኣብ መንጎኹምን፥ ኣብ መንጎ ኣምላኽኩምን ፈልያ ኣላ፤ ከይሰምዐኩምውን ሓጢኣትኩም ንገፁ ኻባኻትኩም ሰወሮ።


“እዝ ህዝቢ እዙይ፥ ወይ ነቢይ፥ ወይ ካህን ‘ፆር እግዚኣብሄር እንታይ እዩ?’ ኢሎም እንተ ጠየቑኻ ‘ፆሩ ንስኻትኩም ኢኹም፤ ግና ኽድርብየኩም እየ’ ይብል እግዚኣብሄር ኢልካ መልሰሎም።


ኦ ኢየሩሳሌም፥ ኣነ ኸይሓድገክን፥ ሰብ ዘይብላ ምድረ በዳውን ኸይገብረክስ ተግሳፅ ተቐበሊ።”


ውሉድ ወሊዶም እንተ ኣዕበዩኳ፥ ሓደ ሰብ ከይተርፈሎም ውሉድ ኣልቦ ኽገብሮም እየ። ካብኣቶም ምስ ረሓቕኩ ወይለኦም!


ኣዒንትኻ ኽፉእ ከይሪኣ የመና ፅሩያት እየን፤ ንሓጢኣት ክትጥምትውን ኣይትኽእልን። ነቶም መታለልቲኸ፥ ስለ ምንታይ ስቕ ኢልካ እትጥምቶም? ስለ ምንታይከ እቲ ሓጥእ፥ ነቲ ኻብኡ ዝፀድቕ እንትውሕጦ ስቕ እትብል?


ሙሴ እዝ ነገራት እዙይ ንዅሎም ደቂ እስራኤል ምስ ተዛረቦም እቶም ህዝቢ ብዙሕ ሓዘኑ።


እግዚኣብሄር ምሳኻትኩም የለንሞ፥ ብፀላእትኹም ከይትሰዓሩ ኣይትደይቡ።


ኣብኡ ኣማሌቃውያንን ከነዓናውያንን ክገጥሙኹም እዮም እሞ ብሰይፊ ኽትወድቁ ኢኹም። ንእግዚኣብሄር ካብ ምኽታል ስለ ዝተመለስኩም እግዚኣብሄር ከዓ ምሳኻትኩም ኣይኸውንን እዩ” በሎም።


እቶም ኣብ እምባ ዝነበሩ ኣማሌቃውያንን ከነዓናውያንን ድማ ወሪዶም ወቕዕዎም፤ ክሳዕ ሔርማ ዝበፅሑ ኸዓ ኣሳጐጕዎም።


ንስኻትኩም ድማ ኸምኡ ርኹሳት ምእንቲ ኸይትኾኑ፥ ዝኾነ ርኹስ ነገር ናብ ገዛኹም ኣይተእትዉ፤ ዝረኸሰ እዩ እሞ፥ ፈፂምኩም ፅልእዎን ተፀየፍዎን።


ካብቲ ዝተሓረመ ኸይትወስዱ እሞ ንሰፈር እስራኤል ከይተርግምዎ፥ መከራውን ከይተምፅኡሉ ተጠንቀቑ።


“ሶምሶን፥ ፍልስጥኤማውያን እኒሀዉ መፂኦምኻ!” በለቶ። ንሱ ድማ ኻብ ድቃሱ ተበራበረ፤ እግዚኣብሄር ከም ዝሓደጎ ስለ ዘይፈለጠ ኸዓ፥ ከም ቀደሙ፥ “ተቓሊሰ ኽወፅእ እየ” ኢሉ ሓሰበ።


ሽዑ ቝጥዓ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ እስራኤል ነደደ፤ ናብ ኢድ ዝማርኽዎም ማረኽቲ ድማ ኣሕሊፉ ሃቦም። ኣብ ኢድ እቶም ኣብ ዙርያኦም ዘለዉ ፀላእቶም ስለ ዘውደቖም፥ ኣብ ቅድሚ ፀላእቶምውን ክቖሙ ኣይከኣሉን።


እቲ መልኣኽ እግዚኣብሄር ንዅሎም ደቂ እስራኤል እዘን ቃላት እዚኣተን ምስ ተዛረቦም፥ እቶም ህዝቢ ዓው ኢሎም በኸዩ።


ሳኦል ከዓ “ኣቱም ኣሕሉቕ ህዝቢ ዅልኹም ናብዙይ ቅረቡ፤ ሎሚ እዝ ሓጢኣት እዙይ ብምንታይ ከም ዝኾነ ድማ ፍለጡን ረኣዩን።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos