9 እቶም ኣፅዋር ዝሓዙ ድማ ብሰልፊ ቐቅድሚ እቶም መለኸት ዝነፍሑ ካህናት ይኸዱ ነበሩ። እቶም ካህናትውን መለኸት እናነፍሑ ክኸዱ እንተለዉ፥ እቶም ዝተረፉ ህዝቢ ድማ ደድሕሪ ታቦት ይስዕቡ ነበሩ።
“ሽዑ ብርሃንካ ኸም ጩራ ወጋሕታ ኽበርህ፥ ፈውስኻውን ቀልጢፉ ኽበቍል፥ ፅድቅኻ ቀቅድሜኻ ክኸይድ፥ ክብሪ እግዚኣብሄር ድማ ብድሕሬኻ ኾይኑ ኽሕልወካ እዩ።
እቶም ኣብ ሰፈር ነገድ ደቂ ዳን ዝነበሩ ሰራዊት ከዓ ሰንደቕ ዕላማኦም ሒዞም በብኽፍሎም፥ ደጀን ኵሉ ሰፈር ኮይኖም ተጕዓዙ። ሓለቓ ሰራዊት ድማ ኣኪዔዘር ወዲ ኣሚሳዳይ ነበረ።
ኢያሱ ድማ ነቶም ህዝቢ “ጫውጫው ኣይትበሉ፤ ድምፂ ኣስምዑ ኽሳዕ ዝብለኩም መዓልቲ ሓደ ቓል እኳ ኻብ ኣፍኩም ኣይውፃእ” በሎም።
እቶም ሸውዓተ ኻህናትውን ሸውዓተ ቐርኒ መለኸት ሒዞም፥ ቀቅድሚ ታቦት እግዚኣብሄር እናኸዱ፥ መለኸት ይነፍሑ ነበሩ። ተሰለፍቲ ዝኾኑ ኸዓ ቐቅድሚኣቶም ከዱ፤ እቶም ካህናት መለኸት እናነፍሑ ክኸዱ እንተለዉ ድማ እቶም ዝተረፉ ተሰለፍቲ ደድሕሪ ታቦት እግዚኣብሄር ይስዕቡ ነበሩ።
ኢያሱ ነቶም ህዝቢ ምስ ተዛረቦም፥ እቶም ሸውዓተ ኻህናት ድማ ሸውዓተ ቐርኒ መለኸት ሒዞም ነቲ መለኸት እናነፍሑ ቐቅድሚ ታቦት እግዚኣብሄር ሓለፉ። እቲ ታቦት ኪዳን እግዚኣብሄር ከዓ ደድሕሪኣቶም ይኽተል ነበረ።